Monday , May 20 2024
Foto: Fredrik Hagen / NTB scanpix / TT / kod 20520

ዴንማርክ ን ዩክሬይን ክትሰዶ ዝሓሰበት ወተሃደራዊ ሓገዝ ብ ስዊትዘርላንድ ተዓጊቱ።

ዴንማርክ ን ዩክሬይን ክትልግሶ መዲባቶ ዝነበረት ወተሃደራዊ ሓገዛት፡ ብ ስዊትዘርላንድ ከም እተዓገተ ተገሊጹ። ስዊትዘርላንድ እዚ ዝገበረት፡ ኣብ ቅልውላው ዩክሬይን ብዝወሰደቶ ዘይሻራዊ መርገጺ እዩ፡ ክትብል ማዕከን ዜና ሮይተርስ ን ስዊትዘርላንዳዊ መደብር ዜና SRF ብምጥቃስ ጸብጺባ። ብመስረት እዚ ስዊትዘርላንድ ኣብ ቅልውላው ዩክሬይን ዝወሰደቶ ፖሊሲ ዘይሻራነት፡ ኣብ ሃገራ ዝፈሪ ወተሃደራዊ ኣቕሑ ናብ ሳልስይ ሃገር ክግዕዝ ኣይትፈቅድን እያ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ዴንማርክ፡ ምስ ምልጋስ ኣጽዋር ብዝተሓሓዝ ዘሎ ስቱርንነት ምኽንያት ብምልዓል፡ ኣብዚ ጒዳይ ተወሳኺ መብርሂ ክህብ ፍቓደኛ ከም ዘይኮነ ገሊጹ’ሎ። ኣቐድም ኣቢላ ዴንማርክ፡ ን ዩክሬይን 270 ሚልዮን ዩሮ ዝዋግኡ ድርዒ ኣካላትን ካልእ ወተሃደራዊ ናውቲን ን ዩክሬይን ለጊሳ ምንባራ፡ ካብ ባይቶ እታ ሃገር ኣብዚ ሰሙን ዝወጹ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com