Monday , May 20 2024
Credit: Oscar Olsson/TT

“ድሕሪ ምቅጻል ቁርኣን መን ከምዘሎ ክንርኢ ኣለና”—ቶብያስ ቢልስትሮም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቶብያስ ቢልስትሮም፡ ሰበስልጣን ሽወደን፡ ብድሕሪ ተግባር ምቅጻል ቁርኣንን ኣንጻር ማሕበራዊ
ኣገልግሎታት ሽወደን ዝካየድ ዘሎ ጎስጓሳትን ዘለዉ ተዋሳእቲ ብቐረባ ክምርመሩ ኣለዎም ክብል ኣተሓሳሲቡ። ከም እኒ ኤጀንሲ
መጽናዕቲ ስነኣእምሮኣዊ ምክልኻል ሽወደን፡ ወተሃደራዊ ሰለያን ካልኦትን ነዚ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕን ዓመታትትን እተፈጸመ ጒዳይ
ኣመልኪተን ብዕቱብ ከጽንዕኦ ተላብዩ’ሎ። ን “ሕውስዋስ ኲናት” ዝኸውን እኹል መከላኸሊ ኣብ ቦትኣ ኣይነበራን ክብሉ
ዓለምለኻዊያን ክኢላታት ናይ ሓሶት ሓበሬታን ኣኽራርነትን ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጾም ኣለዉ። “እዚ ጒዳይ ንጹር ሸቶ ዘለዎ ኮይኑ፡
ሽወደን ኣባል ኔቶ ከይትኸውን ንምዕጋት፥ ኣብ ሕብረተሰብ ሽወደን ዘይምትእምማን ንምፍጣርን ኣብ ኤምባሲታት መጥቃዕቲ
ንምፍጻምን ዝዓለመ እዩ፥ ኣብዚ ጉዳይ ገርሂ ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና” ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንሬድዮ ኒውስ ሽወደን
ሓቢሩ።

 

 

Credit: Oscar Olsson/TT

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com