Monday , May 20 2024

ድሕሪ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ዘጋጠመ ዕግርግር . . . . . SAS ናብ ግሪኽ ዝወጠኖ ቀጥታዊ ጉዕዞታቱ ሰሪዙ

ስካንድናቭያዊ ኩባንያ መንገዲ ኣየር SAS ናብ ግሪኽ መዲብዎ ዝነበረ ቀጥታዊ በረራ ትማሊ ሶኑይ ከምዝሰረዞ ሓቢሩ። እቲ ናይ በረራ እገዳ ክሳብ ዝለዓል ድማ ዝኾነ ዓይነት ቀጥታዊ ጉዕዞ ኣይክህሉን እዩ ክብል SAS ከምዝሓበረ ኣፍቶንብላደት ገሊጹ።

እቲ እገዳ ጌና ግብራዊ ከምዘሎ ተሓቢሩና፡ ንሕና ድማ በቲ ሕጊ ንቕየድ ኢና ክትብል ሓላፊት ርክባት ኩባንያ SAS፡ ካርመን ነይማን፡ ሓቢራ።

ሰብ መዚ ግሪኽ፡ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ናብ ግሪክ ንምጋሽ ተዳልየን ንዝነበራ ናይ ኩባንያ SAS ሰለስተ ቀጥታዊ በረራታት ከምዝሰረዞ ይፍለጥ።

ኩባንያ SAS ካብ ምምሕዳር መጓዓዝያ ሽወደን ሓድሽ ሓበሬታ ረኺቡ ኣሎ።

ክሳብ ጭቡጥ ዝኾነ ሓበሬታ ንረክብ ጉዕዞታትና ክንስርዝ ኣይደለናን፡ ሕጂ ግን ክሳብ 15/07/2020 ዘሎ ግዜ እቲ ዝነበረ ናይ በረራ እገዳታት ጽኑዕ ምህላዉ ተሓቢርና ኣለና። ብድሕሪኡ ጉዕዞታትና ክንጅምር ንትስፎ ክትብል ኒማን ሓቢራ።

ኣብተን ዝተሰረዛ በረራታት ኣስታት 400 ገያሾ ተመዝጊቡ ከምዝነበሩ ይፍለጥ።

በረራታት እንተድኣ ተሰሪዞም፡ እቶም ገያሾ ንዝኸፈልዎ ገንዘብ ብምሉእ ወይ ብከፊል ክምለሰሎም መሰሎም ምዃኑ ኒማን ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com