Tuesday , May 21 2024

ጀርመን ምስ ዴንማርክ ዘራኽባ ናይ ትሕቲ ባሕሪ ገለርያ ክትዝርግሕ ተሰማሚዓ

ቤት ፍርዲ ፌደራላዊ ምምሕዳር ከተማ ላይፕዚግ፡ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ንጀርመን ምስ ዴንማርክ ዘራኽብ ናይ ትሕቲ ባሕሪ ገለርያ፡ ክህነጽ ምስምምዑ ካብ ጀርመን ዝወጹ ጸብጻባት ቁጠባ ኣመልኪቶም። ጀርመናዊት ከተማ ቫይማርን (Weimarn) ምስ ዴንማርካዊት ደሴት ሎላንድ (Lolland) ዘራኽብ 18 ኪሎሜትር ዝንውሓቱ ገለርያ ናይ ምህናጽ መሰል ምርካባ ተፈሊጡ። እዚ ፕሮጀክት ክህነጽ የብሉን ዝብሉ ዝነበሩ ናይ ሕጊ መስርሓት ድሕሪ ምንጻጎም ዝስዕብ ዘሎ ውሳነ ምዃኑን ንምዝዛሙ ቢልዮናት ዩሮ ክውድእ ከም ዝኽእልን ድማ ተገሊጹ።

እዚ ኣብ 2029 ዝዛዘም ገለርያ፡ ናብ ከተማ ኮፐንሃገን፡ ብመገዲ መካይን ንዝግበር ጉዕዞ ከሕጽሮ ከም ዝኽእል ድማ ተስፋ ተነቢርሉ’ሎ።

ነዚ ፕሮጀክት፡ ብርክት ዝበሉ መሻርኽቲ ኣካላት እንተላይ ተጣበቕቲ ኣካባቢ እኳ እንተተቓወምዎ፡ ኣብ መጨረሽታ ግን፡ ብጀርመናዊ ቤት ፍርዲ ንኽህነጽ ፍቓድ ረኺቡ ኣሎ። ዴንማርክን ጀርመንን ወግዓዊ ስምምዕ እዚ ፕሮጀክት ምኽታመን ተፈሊጡ ኣሎ።

ዴንማርክ ኣብ 2015 ፍቓድ ናይዚ ፕሮጀክት ከምዝረኸበትን፡ ነቲ ገለርያ ንምህናጽ ድማ ክሳብ 7.1 ቢልዮን ዩሮ ወጻኢ ክትገብር እያ። ጀርመን ብወገና፡ ንኣብ ምምሕዳር ሽልዝቪግ፡ ሃልስታይን፡ (Schleswig. Holstein) ዝህነጹ ጽርግያታትን መስመራት ባቡርን ዝኸውን ናይ 3.5 ቢልዮን ዩሮ ወጻኢታት ክትስከም ተሰማሚዐን ኣለዋ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com