Monday , May 20 2024

ጃማላ “ነዚ ውድድር ምእጋድ ንኣና ዩክሬናውያን ረብሓና ኣይኮነን”

Credit: Johan Nilsson/TT

እዚ ኣብ 2016 ዩሮቪዥን ዝተዓወተት ዩክሬናዊ፡ ብሰንኪ ቀጻሊ ጎነጻዊ ተግባራት እስራኤል፡ ገለ ነቐፍቲ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ክእገድ ሰፊሕ ጻውዒት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን ዝተፈልየ ርእይቶታት ምሃባ ኣቓልቦ ስሒባ። ዩክሬናዊት ተዓዋቲት ዩሮቪዥን 2016 ጃማላ፡ ሃገራ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ርእይቶታት ካብዚ ውድድር ምግላጽ ንረብሓኣ ከም ዘይኮነ ገሊጻ። ዓሚ ኣብ ዝርዝር ተደለይቲ ሩስያ ምእታዋ ዝንገረላ ጀማላ ንማዕከናት ዜና ፒኤ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ “ገለ ሃገራት [ኣብቲ ውድድር ደርፊ ምስታፍ ክኣብያ ይኽእላ እየን፥ እንተ ንሕና ግን እዚ ኣይንውዕሎን ኢና። ብፍላይ ኣብ ግዜ ኲናት ከምዚ ዓይነት ውድድር ክንጥንጥን ኣይንደሊን ኢና” ኢላ። ዩሮቪዥን ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሽወደን ኣብ እትርከብ ከተማ ማልሞ እናተኻየደ ዝርከብ ኮይኑ ፥ እስራኤል ድማ በታ ኣዘራራቢት “ህቦብላ” ዘርእታ ደርፋ ክትፍልሞ እያ። ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ልዕሊ 450 ስነጥበባውያን፡ ሙዚቀኛታትን ጸሓፍትን፡ ኣየርላንዳዊት ኦሊ ኣሌክሳንደር ነቲ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ክእገድ ዝጽውዕ ደብዳበ ምፍራሞም ዝፍለጥ እዩ። ኣሌክሳንደር ነቲ ጥርዓን ብውልቊ መልሲ ድሕሪ ምሃብ፡ ኩሎም ተሳተፍቲ ን ጸረሴማውንት ጽልኢ እስልምናን ሓዊሱ ኣንጻር ኩሉ ዓይነት ጽልኢ ደው ክብሉ ንደገፍቲ ጸዊዑ’ሎ። ዩሮቪዥን ን ኢፖለቲካዊ ቅዋሙ ብጥብቂ ክሕልዎ፡ ኣዳለውቲ ናይቲ ውድድር ድማ፡ ብመንጽር እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎን መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ህይወት 34,500 ሰባት ዝቐዝፈ ኲናት፥ ን ፍልስጤም ዝድግፍ ዝኾነ ይኹን ኣርማን ካልእን ከወግዱ ምዃኖም ቃል ኣትዮም እዮም። ኣብዚ ዓመት’ዚ ንእስራኤል ዝወከለት ኤደን ጎላን፡ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓማስ ንእትትርኽ “ዝናብ ጥቅምቲ” እትብል ናይ መጀመርታ ደርፋ፡ ገለ ትሕዝቶ ግጥማ ሕጊ ፖለቲካዊ ገለልትነት ከይጥሕስ ብምባል ድሕሪ ምቕያራ፡ ክትሳተፍ ተፈቒዱላ እዩ። እዚ ይዂንምበር፡ ብሰንኪ ስግኣት ድሕነት ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ክፍሊ ሆቴላ ብዙሕ ከይትንቀሳቐስ ብኣዳለውቲ መጠንቀቕታ ተዋሂብዋ እዩ። ንውሳነ ተሳትፎ እስራኤል ንምፍቃድ ዝደገፈ ምክትል ዋና ዳይረክተር ናይቲ ንዩሮቪዥን ዘዳሉ ሕብረት ፈነወ ኤውሮጳ (EBU) ጂን ፊሊፕ ደ ቴንደር ንእስራኤል እናተነግልላ “ፖለቲካዊ ውሳነ ከም ዝወሰድና ምተሓስበ” ክብል ጽሒፉ’ሎ። ብዝኾነ ኣብ መንጎ ኩነታት ዩክሬንን ቓዛን ዘሎ ፍልልይ ብምንጻር፡ እቲ ንምግላል ሩስያ ዝመርሕ ኩነታት ካብቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ንተሳትፎ እስራኤል ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ምጒታት “ዝተፈለየ” ምዃኑ ሓቢሩ። ጀማላ ብወገና ነቲ ኣተኲሮ ካብ እስራኤል ናብ ዩክሬን ክዛወር ጌራ’ላ። ንሳ “ሕጂ ኣብ ዓለም ብዙሕ ውግኣት እዩ ዝግበር ዘሎ። ዕማም ስነጥበባውያን ምስሊ ሃገሮም ንዝተረፈ ክፋል ዓለም ብኸመይ ከም ዝገልጹ ሜላ ምብልሓት እዩ ሎም ዓመት ምስ ምእታዎም፡ ዩክሬን ነቲ ኣብ 2016 ጃማላ ዝረኸበቶ ዓወት ክትደግሞ ትኸውን እያ ዝብል ተስፋ ኣስሪጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com