Monday , May 20 2024

ገበነኛ ጒዳዩ ብ ቤት ፍርዲ ኤውሮጳ ክረኣየሉ ይሓትት።

ኣብ ሽወደን ብኸቢድ ገበናት ዕጸፋርስ ንነዊሕ እዋን ማእሰርቲ ዘሕልፍ ዘሎ ሰብኣይ፡ ብኤፍ.ቢ.ኣይ ዝመሓደር ምስጢራዊ
መልእኽቲ ዝልእኽ ኣፕ ብምጥቃም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ፡ ን ጉዳዩ ናብ ቤት ፍርዲ ኤውሮጳ ከብጽሖ ከም ዝደሊ፡
ፖድካስት ሬድዮ ሽወደን ፒ 3 ዶኩመንታሪ ጸብጺቡ። ጠበቓኡ፡ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 800 ጥርጡራት ገበነኛታት ክእሰሩ
ምኽንያት ዝኾነ ትሮጃን ሺልድ ዝተጠቕመሉ ሜላታት፡ እቲ ANOM ኣፕ ብኤፍ.ቢ.ኣይ ዝተፈጥረ ብምዃኑ ካብ ካልኦት
ምስጢራዊ ኣጠቓቕማ ዘጠቓልል ኣገባብ ፖሊስ ዝተፈልየ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ፡፡ እቲ ሰብኣይ ኣብ ሽወደን ናይ ይግባይ መሰሉ ዝሰኣነ
ኮይኑ፡ ጠበቓኡ ቤት ፍርዲ ኤውሮጳ ከምዚ ዓይነት መርትዖ ኣብ ቤት ፍርዲ ሽወደን ብኸመይ ክዳነ ከም ዘለዎ ውሳነ ክህብ ተስፋ
ከም ዘለዎ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com