Monday , May 20 2024
In this photo provided by Egypt's presidency media office, Egyptian President Abdel-Fattah el-Sissi, right, meets with the President of the Republic of Djibouti, Ismail Omar Guelleh, at the presidential palace, in Cairo, Egypt, Monday, Feb. 7, 2022. Egypt’s president on Monday hosted his Djiboutian counterpart for talks on improving ties and a controversial dam that Ethiopia is building on the Nile River’s main tributary, which Egypt deems an existential threat. (Egyptian Presidency Media Office via AP) CAITH106

ግብጺ ምስ ጅቡቲ ዘለዋ ዝምድና ከተደልድል እያ።

ፕረሲደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፡ ምስ ጅቡቲ ዘለዎ ዝምድና ንምድልዳልን ኢትዮጵያ ኣብ ገምግም ሩባ ኒል ብዛዕባ እትሃንጾ ዘላ ኣዘራራቢ ሓጽቢ ሚለንዬምን ንምዝታይን፡ ትማል ሰኑይ ን ፕረሲደንት ጅቡቲ ዑመር ገሌ ከም ዝዓደሞ ተፈሊጡ።

እዚ  ፕረሲደንት ዑመር ገሌ ዝገብሮ ዘሎ ምብጻሕ፡ ግብረመልሲ ናይቲ ኣልሲሲ ዓሚ ዝገብሮ ኣብ ጅቡቲ ዘካየዶ ታሪኻዊ ዑደት እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣልሲሲ ናብታ ኣብ 1977 ናጻ ዝወጸት ጅቡቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝፈጸመ ፋልማይ ፕረሲደንት ግብጺ ምዃኑ እዩ ዝንገረሉ። ኣብዚ ልዝብ ክልቲኣቶም መራሕቲ ኣብ ጒዳይ ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ክዛተዩ እዮም ክብል ኣጃንስ ፍራንዝ ፕረስ ጸብጺቡ’ሎ።

ግብጺ ኣብ ጒዳይ ሓጽቢ ሚለንዬም፡ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዛጊት መዕለቢ ዘይረኸበ ክርክራት ምኽንያት ብምግባር፡ ነታ ጎረቤት ኢትዮጵያ ዝኾነት ጅቡቲ ኣብ ጎድና ከተሰልፋ ካብ ዘለዋ ድሌት ተበጊሳ ነዚ ምድልዳል ዝምድና ትደልዮ ምህላዋ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ። ሱዳንን ግብጽን ነቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዓብዪ ሓጽቢ ኣመልኪተን ተቓውሞታተን ከስምዓ ምጽንሐን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ሚያዝያ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እተኻየደ ልዝብ ሰለስቲአን ሃገራት ብዘይስምምዕ ምብታኑ ጸብጻባት የመልክቱ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com