Monday , May 20 2024

ጎስጋስ ምጅማር ምልጋስ ኣካላት ሰብ ኣብ ሽወደን ሎሚ ይጅምር ።

ሽወደን ሎሚ ሰሙን ወፍሪ ልገሳ ኣካላት ብምጅማር፣ ሰባት ኣካላት ኣብ ምልጋስ ንክተግሁ ምጒስጓስ ምጅማራ ይግለጽ ኣሎ። እዚ ወፍሪ ብሃገራዊ ቈንስል ጥዕናን ድሕነትን ዝጀመረ ኰይኑ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ልዕሊ 12 ሽሕ ሕቶ ልገሳ ኣካላት ምጅማሩ ድማ ተገሊጹ። ብመሰረት ስታቲስቲክስ ካብ 80 ክሳብ 85 ሚእታዊት ሽወደናውያን ብዛዕባ ምልጋስ ኣካላት ኣዎንታዊ ኣጠማምታ ኣለዎም።

ይዂንምበር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝሞቱ ሰባት ምስ ናይ ሎም እንክወዳደር ዝለዓለ ምንባሩ ኣመልኪቱ’ሎ። ብመሰረት እዚ ጸብጻብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተረኽበ 182 ክኸውን እንከሎ ቅድሚ ዓሚ ግና ክሳብ 188 በጺሑ ምንባሩ ጠቒሱ’ሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ካብቶም ዝሞቱ እቶም ዝበዝሑ ለገስቲ ናይ ምዃን ዕድሎም ዝወሓደ ብምዃኑ እዩ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com