Monday , May 20 2024

ጥዕናዊ ረብሓታት ፐርሰሜሎ

ቀዳማይ ክፋል

ፐርሰሜሎ፡ ካብ ዝውቱራት ቀጠልያ ኣትክልቲ ሃገርና ሓደ’ዩ። የግዳስ ኪኖ ልምዳዊ ኣመጋግባ ንጥዕናዊ ረብሓታቱ ፈሊጥና ተጠቀምቱ ክንደይ ንኸውን? ጥዕናዊ ረብሓታት ፐርሰሜሎ መወዳእታ የብሉን። ንሎሚ ቀዳማይ ክፋሉ ከነቕርብ ኢና። ፐርሰሜሎ ንከም ምቁጽጻር መንሽሮ፡ ሽኮርያን ቅርጥማታዊ ሪሕን ዝለዓለ ጥቕምን ረብሓን ከም ዝህብ ይፍለጥ። ብተወሳኺ ኣብ ምክልኻል ምፍኳስ-ኣዕጽምቲ (ብፍላይ ድሕሪ ብትከት ጽግያትን ብዕድመ ዝሽምገሉ ሰባትን) ዝላዓለ ሓገዝ ይገብር። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ምዕጋስ ቃንዛን ጸረ-ነድርን ጠባያት ከም ዘለዎ ተመራመርቲ የረጋግጹ። ንስርዓተ-ተጻዋርነት ሕማማት የሐይልን ኣብ ስርዓተ-ምሕቃቕ መግቢ ንዝርኣዩ ጸገማት (ከም ዘይምሕቃቕ መግቢ)፡ ቅርጸት፡ መንፋሕቲን ዕግርግር ምባልን . . . ሩፍታ ከም ዝህብ እቶም ተመራመርቲ ወሲኾም የረጋግጹ።

ፐርሰሜሎ፡ ዓመት ምሉእ ኣብ ዕዳጋ ብቐሊሉ ዝርከብ – ብዋጋ ሕሱር ቀጠልያ ተኽሊ’ዩ። ኣዝዩ መኣዛዊ ዝዀነ ተኽሊ ፐርሰሜሎ፡ ንጥዕና ወዲ-ሰብ ጥዕናኡ ከማሓይሹ ዝኽእሉ ብርክት ዝበሉ ቪታሚናት ጸረ-ምራተ ትሕዝቶ ዘለዎ ኣትክልቲ’ዩ።

መኣዛዊ ብልጫታት ፐርሰሜሎ

ፐርሰሜሎ ብዙሓት መኣዛታት ይውንን። ቪታሚናት (ኤ፡ ኬይ፡ ሲ፡ ኢ፡ ቢ1፡ ቢ2፡ ቢ6፡ ቢ12፡) ፓንቶተኒክ ኣሲድ፡ ፎሌት፡ ካልስየም፡ ሓጺን፡ ማግነዝየም፡ ማንጋነዝ፡ ፎስፎረስ፡ ፖታሽየም፡ ዚንክን ትሕዝቶ ኣለዎ። ፐርሰሜሎ ካርቦሃይድረይት፡ ስብሕን ፕሮቲንን ትሕዝቶ ከም ዘለዎ’ውን ይፍለጥ።

ጥዕናዊ ረብሓታት ፐርሰሜሎ ምክልኻል ሕማም ሽኮርያ፦

ኣብ ቱርኪ እትርከብ ዩኒቨርሲቲ ማማራ ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ፐርሰሜሎ ዓቐን ሽኮር ኣብ ደም ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ከም ዘጉደሎ ተዓዚቦም። እዚ መጽናዕቲ ፐርሰሜሎ ንምቁጽጻር ሕማም ሽኮርያ ክንጥቀመሉ ከምንኽእል ወሲኹ የረድእ።

ምቁጽጻር ቅርጥማታዊ ሪሕ፦ ኣብ ፐርሰሜሎ ዝርከቡ ጸረ-ነድሪ ባህሪያት ዘለዎም ቪታሚን ሲን ቤታ-ካሮቲንን ኣብ ምቁጽጻር ሕማም ሪሕ እወታዊ ተራ ይጻወቱ። ብስሩዕ ፐርሰሜሎ ምምጋብ ኣብ ምጉዳል ዓቐን ዩሪክ-ኣሲድን ከስዕቦ ዝኽእል ምልክታትን ተራ ከምዘለዎ ዝተፈላለዩ ጭብጥታት ይሕብሩ።

ጸረመንሽሮ፥ ካብ ዘይቲ ፐርሰሜሎ ዝተጸምቈ ‘ሚሪስቲሲን’ ዝተባህለ ባእታ ጸረ-መንሽሮ ባህርያት ከምዘለዎ ኣብ ሚኖሰታ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መጽናዕቲ ተረጋጊጹ ይርከብ።

ጸረነድሪ፥ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ንጉስ ሳዑድ ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ድማ፡ ፐርሰሜሎ ጸረ-ነድርን ጸረ-ምምራዝ ጸላም ከብድን ባህርያት ከምዘለዎ ተመራመርቲ ሓበሬታኦም ኣካፊሎም ኣለዉ።። ኣብ ምጉዳል ውሽጣዊ ነድርን ምውሓስ ጥዕና ጸላም ከብድን ከም ዝሕግዝ እቶም ተመራመርቲ ወሲኾም የረድኡ።

ምክልኻል ምፍኳስ ኣዕጽምቲ፦ ፐርሰሜሎ ኣብ ምክልኻል ምፍኳስ ኣዕጽምትን ጥዕና ምሕላውን ጥዕና ኣዕጽምትን ውጽኢታዊ ምዃኑ ካልእ ብተመራመርቲ ዝተርጋገጸ ጭብጢ ኰይኑ ኣሎ።

ስርዓተ ሽንቲ፦ ፐርሰሜሎ ንዘመናት ኣብ ምቁጽጻር ብዙሓት ሕማማት ከም ጸጸር ኵሊት፡ ረኽሲ ሽንቲ፡ ጸጸር ከረጺት ሓሞት. . . ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ’ዩ። ኣብ ሰብነት ካብ ንቡር ንላዕሊ ተኣኪቡ ሕበጥ ዝፈጥር ፈሳሲ ብሽንቲ መልክዕ ተጸሪጉ ብቕልጡፍ ክጐድል ፐርሰሜሎ ምምጋብ ኣመና ውጽኢታዊ ምዃኑ ይእመነሉ። ብሕበጥ ሰብነት ዝሽገር ሰብ ቁሩብ ማንካ ጣውላ ፐርስሜሎ ብመልክዕ ጽማቝ ኣዳልዩ ምስ ዝሰቲ ሕበጡ ክጎድለሉ ይኽእል። እዚ ግን ምስ ሓኪምካ ብምልዛብን ምምኻርን እምበር፡

ንዝተኣዘዘልካ መድሃኒት ብምቁራጽ ዝግበር ባዕላዊ ውሳነ ኣይኰነን። ሱር ፐርሰሜሎ እንተዀነ፡ ጸጸር ኵሊት ኣብ ምጕዳልን ብማይ ኣፍሊሓካ ምስታይን ንሓፈሻዊ ጥዕና ሰብነት ጠቓሚ ምዃኑ ይእመነሉ።

ምሕያል ስርዓተ ተጻዋርነት ሕማማት፦ ኣብ ፐርሰሜሎ ዝርከቡ ቪታሚናት፡ ሚነራላትን ጸረ ምራተ ባእታታትን ኣብ ምሕያል ስርዓተ ተጻዋርነት ሕማማት ኣመና ጠቓሚ ዝዀነ ኣገልግሎት ከም ዝህቡ ተረጋጊጹ’ዩ። ቪታሚን ሲ፡ ኤ፡ ኬ፡ ቪታሚን ቢ1ን ፎሌትን ነፍሲ-ወከፎም ንስርዓተ ተጻዋርነት ሕማማት ዝተፈላላየ ጥቕሚን ሓይልን ይህቡ። ንኣብነት ቪታሚን ኤ ኣብ ምሕያልን ምጕልባትን ጸዓዱ ዋሃዮታት ደም ብቐጥታ ብምውሳእ ኣብ ምክልኻል ሕማማት እወታዊ ተራ ይጸዋት። ኣብ ርእሲ’ዚ ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ከምዝሕብርዎ፡ ፐርሰሜሎ ጸረ-ባክተርያን ጸረ-ፋንጋስን ሓይሊ ስለ ዘለዎ ፍጹም ዝዀነ ዝተፈላለዩ ዘቤታዊ ፍወሳ ከም ዝጠቅም ይፍለጥ።

ምውሓስ ሰራውር ደም፦ ፐርሰሜሎ ጠቓሚ ዝዀነ ጽማረ ቪታሚን ቢ ስለዝውንን ነቶም ንመጥቃዕቲ ልብን ወቕዕን ሓደጋ ዘስዕቡ ‘ሆሞሲስቲን’ ዝተባህሉ ሓደገኛታት ባእታታት ብምጕዳል ጥዕናኦም ዝተዋሕሰ ሰራውር ደም ይዕቅብ። ‘ሆሞሲስቲን’ ብተፈጥሮ ኣብ ኣካላት ወዲ ሰብ ዝርከቡ ኣሚኖ ኣሲድ ኢዮም።

ምውሓስ ጥዕይቲ ልቢ፦ ኣብ ፐርሰሜሎ ዝርከብ ፎሌት ዝተባህለ ጠቓሚ ሚነራል ነቶም ሓደገኛታት ዝባሃሉ ‘ሆሞሲስቲን’ ናብ ዘይተጓዳእቲ ባእታታት ብምቕያር ካብ መጥቃዕቲ ልቢ፡ ወቕዒን ብምጽባብ ሰራውር ደም ክስዕብ ንዝኽእል ሓደጋን የድሕን።

ምውሓስ ጥዕይቲ ልቢ፦ ኣብ ፐርሰሜሎ ዝርከብ ፎሌት ዝተባህለ ጠቓሚ ሚነራል ነቶም ሓደገኛታት ዝባሃሉ ‘ሆሞሲስቲን’ ናብ ዘይተጓዳእቲ ባእታታት ብምቕያር ካብ መጥቃዕቲ ልቢ፡ ወቕዒን ብምጽባብ ሰራውር ደም ክስዕብ ንዝኽእል ሓደጋን የድሕን።

ተግባር ጸላም ከብዲ የሐይል፦ ኣብ ፐርሰሜሎ ‘ኣፒጅርኒን ሚሪስቲሲንን’ ዝተባህሉ ጠቐምቲ ቀመማት ኣለዉ። ክልቲኦም ቀመማት ንሓደ ኣብ ጸላም ከብዲ ካብ ዝርከቡ ቀመማት ብዓቐን ከም ዝዛይድ ይገብሩ’ሞ፡ ጸላም ከብዲ ኣብ እተከናውኖ መስርሕ ምጽራይ ተጓዳእቲ ባእታታት ሓይላ ከምእትቐርብ ይገብርዋ። ብጀካ’ዚ ኣብ 2011 ኣብ መጽሄት ‘Clinical and Experimental Metastasis’ ኣብ ዝተዘርገሐ ዜና፡ ቀመም ‘ኣፒጂነን’ ኣብ ፍወሳ ሕማም መንሽሮ ዝወሃቡ ገለ ገለ መድሃኒታት ዝያዳ ሓይሊ ንክድልቡ ከምዝሕግዝ ተመራመርቲ ኣረጋጊጸምዎ ይርከቡ። ይቕጽል.


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com