Monday , May 20 2024

ጸረ ኮሮና ቫይረስ ክኸውን ዝኽእል ናይ ኣትክልቲ መድሃኒት እንተተረኺቡ፡ ንኽፍተን፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣፍቂዱ

ጸረ ኮሮና ቫይረስ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ዝንገረሎም ካብ ኣትክልቲ ዝስርሑ ኣፍሪቃውያን መድሃኒታት (Herbal Medicine)፡ ናብ ላባራቶሪ ኣምጺእካ ንኽምርመሩ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣፍቂዱ።

140 ዝኾኑ ዓይነታት (ናይ ክታበት ኮሮና) መድሃኒት ይምዕብሉ ከምዘለዉ ብዓሰርተታት ዝቑጸር ድማ ኣብ ልዕሊ ሰብ ናይ ምፍታን መድራኽ በጺሐን ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ኣብ ዓለምና፡ ኣስታት 30 ሚልዮን ሰባት ብኮሮና ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ 953 ሽሕ ድማ ብሰንኪ እዚ ሕማም ሞይቶም።

ኣብ ትሕቲ’ዚ ኩነታት እንከሎ፡ ኣብ ብራዛፊል ዝርከብ ዞባዊ ጨንፈር ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ንባህላዊ ዝኾኑ ናይ ኣትክልቲ መድሃኒታት፡ ሕክምና መርመራታት ክካየደሎም ተሰማሚዑ።  

ቅድሚ ሒድት ኣዋርሕ፡ ፕረዚደንት ማዳጋስካር፡ ኣንድሬ ራጆልያን፡ ንኮሮና ቫይረስ ከጥፍእ ዝኽእል ካብ ኣትክልቲ ዝተሰርሐ ዝስተ መድሃኒት ከምዝረኸበ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com