Monday , May 20 2024
Henrik Montgomery/TT och privat

ጽምብል ንምዉዳእ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ብጸቢብ ክካየድ መንግስቲ ወሲኑ።

ንምዉዳእ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ብዝምልከት መንግስቲ ወሲንዎ ዝጸንሐ ናይ ዘይምክያድ ዉሳነ ብምምሕያሽ ርእይቶ ተማሃሮን መማህራንን ብምቕባል፣ ብሓባር ዘይኮነ በበኽፍሎም ብጸቢብ ደረጃ ክካየድን፣ ይኹን እምበር ከምቲ ብልምዲ ብመካይን ተጻዒንካ ኣብ ጎደናታት ዝግበር ጽምብል ኩሉኩል ምዃኑን፣ ነዚ ዘሎ ኩነታት ብዝሰማማዕ ሓላፍነታዊ መገዲ ክካየድ ከምዝተወሰነ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ትማሊ ኣዚዙ ። ኣብ ሽወደን ነዊሕ ዝጸንሐ ባህሊ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ንዝዉድኡ ተማሃሮ ንምዉዳእ ትምህርቶምን ልዕሊ ዕድመ ዝበቕዕሉ ዕድመን ንምጽንባል ዝግበር ስነ ስርዓት ባዕል ንተማሃሮ ኣብ ሂወቶም ዓቢ ትርጉም ከምዘሎዎ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com