Monday , May 20 2024
Credit Pixabay

ፊንላንድ፥ ግብሪ ደሞዝተኛታት ኣብ ኲሉ ኣታዊታት ክጎድል እዩ።

ግብሪ ደሞዝተኛታት ፊንላንድ፥ ብመሰረት እቲ ብመንግስቲ ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ዘቕረቦ እማመ ባጀት ኣብ ኲሉ ኣታዊታት
ክጎድል እዩ። መንግስቲ እታ ሃገር፡ ብፍላይ ኣብ ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለዎም ሰባት ኣተኲሮ ብምግባር፡ ግብሪ ኣታዊታት ናብ
100 ሚልዮን ዩሮ ክወርድ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ’ሎ። ግብሪ ናይቶም ልዑል እቶት ዘለዎም ሰባት ብግዲኡ፡ ብምኽንያት እዚ ናይ
ምትሕግጋዝ ግብሪ፡ ብዝወሓደ መጠን ክጎድል እዩ። ማሕበር ከፈልቲ ግብሪ ፊንላንድ ዝተገብረ ቅመራ ከምዘመልክቶ፡ እቶም
ውሳነታት ኣብ መላእ ደረጃታት እቶት ንዘሎ ​​ግብሪ ዘጉድሉ እኳ እንተኾኑ፡ ቀንዲ ተጠቀምቲኦም ግን ልዑል ኣታዊ ዘለዎም እዮም።
ማእከላይ ደሞዝ ዝረክብ ሰብ፡ ወርሓዊ ኣታዊኡ ክሳብ 3840 ዩሮ ኮይኑ፡ መጠን ዝኽፈል ግብሪ ብ 0.6% ክጎድል፡ እዚ ድማ
ዓመታዊ ጽሩይ ኣታዊኡ ብ 280 ሚልዮን ዩሮ ክዓቢ እዩ። ወርሓዊ ኣታዊ 2000 ዩሮ ዘለዎ ሰብ፡ ደረጅኡ ብ 0.9 ነጥቢ፡ ወርሓዊ
ኣታዊኡ 8000 ዩሮ ዘለዎ ድማ ብ 0.6 ነጥቢ ክጎድል እዩ። ወርሓዊ 14 ሽሕ ዩሮ ኣታዊ ዘለዎ ሰብ ግን ብሰንኪ ምንዋሕ ግብሪ
ምትሕግጋዝ ደረጅኡ ክሳብ 1.2 ነጥቢ ዓመታዊ ጽሩይ ኣታዊኡ ድማ ብ 2116 ዩሮ ክጎድል ከምዝኽእል እቲ ማሕበር ትማሊ
ሰሉስ ጸብጺቡ’ሎ።

 

Credit Pixabay

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com