Monday , May 20 2024
Pixabay

ፊንላንድ ንመስፋሕ መደበር ቻርጅ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ዝውዕል ምወላ ሕብረት ኤውሮጳ ረኺባ።

ፊንላንድ፥ ብመንገዲ ፊንላንዳዊ ትካል “ቴስላ ሮድስተር ፊንላንድ” ንመስፋሕፍሒ መርበብ ቻርጅ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ
ዝውዕል ምወላ ሕብረት ኤውሮጳ ረኺባ። እቲ ምወላ ኣብ ትሕቲ ፕሮግራም “ምስላጥ ምትእስሳር ኤውሮጳ” (CEF) ዝተዋህበ
ኮይኑ፡ ኣካል ናይቲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ትሕተ ቅርጺ ዝገብሮ ወፍሪ እዩ። እዚ ፕሮጀክት ኣብ መርበብ መጓዓዝያ ስግረ-ኤውሮጳ
(TEN-T) ኩለመዳያውን ብቐጻሊ ዝሰርሕን መደበር መቸረጂታት ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ንምቛም ዝዓለመ እዩ።
እዞም ናይ ቻርጅ ነጥብታት ኩለን ኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ንኽጥቀማሉ ክቐርባ እየን። እዚ ብዙሕ ሃገራት ዝሓቖፈ
ተበግሶ፡ ኣብ ፊንላንድ ሓዊሱ ኣብ 16 ሃገራት ብድምር 6,458 ናይ ቻርጅ ነጥብታት ንምውፋር ውጥን ኣውጺኡ’ሎ። ኣብ
ፊንላንድ፡ ቴስላ ብድምር 32 ናይ ቻርጅ ቦታታት ንምቛም ምወላ CEF ኣሕቶ ኣቕሪቡ’ሎ። እዚ ድማ 25 ሓደስቲ ቦታታትን 7
ነባራትን ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ንኹሎም ዓይነታት ተሽከርከርቲ ቅልጡፍ ቻርጅ ምግባር ንምድጋፍ ብዘኽእል ኣገባብ ክመሓየሹ እዮም።
እዞም ናይ ቻርጅ ቦታታት ብስትራተጂካዊ ኣገባብ ኣብ ቀረባ መርበብ ቴን-ቲ ዝርከቡ ኮይኖም፥ ብውሑዱ 250 ኪሎ ዋት ዓቕሚ
ዘለዎም ናይ ቻርጅ ኣሃዱታት ክህልዉዎም እዮም።
ብድምር፡ ቴስላ ነቲ ፕሮጀክት ክሳብ 133.78 ሚልዮን ዩሮ ዝበጽሕ ምወላ ተዋሂብዎ ኣሎ። ፊንላንድ ካብቲ ደገፍ እትረኽቦ
ክፋል 5.3 ሚልዮን ዩሮ እዩ። ወፍሪ ሕብረት ኤውሮጳ፥ ምምዕባል ትሕተ ቅርጺ፥ ምክፍፋል ኤሌክትሪክን ጋዝን ዘጠቓልል ኮይኑ፡
ኣብ ውሽጢ ኤውሮጳዊ መርበብ ቴን-ቲ ካብ ባህርያዊ ነዳዲ ንምስግጋር ዘተባብዕ እዩ። ተበግሶ TEN-T ንመገዲ ባቡር፣ ውሽጣዊ
መስመራት ማይ፣ ጽርግያታትን ምትእስሳር ባሕርን ኣየርን ኣብ ሓደ መርበብ መጓዓዝያ የወሃህድ። ኮሚሽን ኤውሮጳ ኣብ ቀረባ
እዋን ኣብ ራብዓይ ዙርያ መመልከቲ መሳለጥያ ትሕተ ቅርጺ ኣማራጺ ነዳዲ (AFIF)፥ ብድምር 352.1 ሚልዮን ዩሮ ምወላ
መዲቡ’ሎ። ነዚ ድጋፍ ብውሳነ ብኮሚተ ፕሮግራም መጓዓዝያ ብ 8 መስከረም 2023 እዩ ተዋሂቡ። እዚ ቀጻሊ ምወላታት፥
ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መላእ ኣህጉር ጽሩይን ስሉጥን ፍታሕ ምንቅስቓስ ንምድንፋዕ ዘለዎ ተወፋይነት ዘጉልሕ እዩ–ክትብል
“ሄልሲንኪ ታይምስ” ጸብጺባ’ላ።

 

Pixabay

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com