Monday , May 20 2024
Credit: Axel Hilleskog/SvD/TT

ፋብሪካ ባትሪ ኖርዝቮልት ብናጻ ተሰናቢቱ።

ኣብ ሽወደን ናይ ምስራሕን ምንባርን መሰል ዘይብሎም ሰራሕተኛታት ብምቑጻር ሕጊ ወጻእተኛታት ሽወደን ብምጥሓሱ ዝተኸሰሰ
ኣካያዲ ስራሕ መፍረ ባትሪ ሴል ኖርዝቮልት፥ ሎሚ ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ስከለፍቶ ብናጻ ኣፋንዩዎ’ሎ። እቲ ቤት ፍርዲ፡ እቶም ካብ
ሰርብያን ህንድን ዝመጹ፡ ካብኡ ንደሓር ዝተሰጎጉ 12 ሰራሕተኛታት ህንጻ፡ ምስ ንኡስ ኮንትራክተር ኣብ ዝሰርሑ ኩባንያታት
ዝተቖጽሩ ስለዝኾኑ ኣብዚ ፍርዲ ምብጽሑ ገሊጹ’ሎ። ስለዚ ድማ ኖርዝቮልት ንሕጋዊ ደረጅኦም ሓላፍነት ከምዘይብሉ ዝገልጽ
ናይ መከላኸሊ ስነ-ሞጎት ተቐቢልዎ’ሎ።
ወከልቲ ማሕበር ሰራሕተኛታት ንኹነታት ስራሕን መነባብሮን ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ድሕሪ ምንቃፎም፡ ፖሊስ ኣብ ሕዳር
2021 ኣብቲ ህንጸት ፋብሪካ ባትሪ ፍተሻ ምግባሮም ሬድዮ ሽወደን ብምዝካር ጸብጺባ’ላ።

 

Credit: Axel Hilleskog/SvD/TT

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com