Monday , May 20 2024

ፍርቂ ናይቶም ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ፍሉይ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ ሰባት ዕድሚኦም ትሕቲ 65 ምዃኑ ተፈሊጡ።

ምዕባለታት ሓማም ክሮና ኣብ ሽወደን፡ ፍርቂ ናይቶም ኣብ ፍሉይ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ ሰባት ዕድሚኦም ትሕቲ 65 ምዃኑ ተፈሊጡ። ኣብ ሽወደን ተኸሲቱ ዘሎ ሕማም ክሮና ቫይረስ ካብ ትጽቢት ወጻኢ እቶም ፍርቂ ካብቶም ኣብ ፍሉይ ሕክምናዊ ምክትታትል ዝርከቡ ሕሙማት ዕድሚኦም ትሕቲ 65 ዓመት ከምዝኾኑ ተለቪዥን ሽወደን ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ። ብሕማም ክሮና ዝተለኽፉ መንእሰያት ኣብ ፍሉይ ሕክምናዊ ምክትታል ክኣትዉ ንቡር ኣይኮነን፡ ናይዚ ኣብ ሽወደን ተኸሱቱ ዘሎ ዘይንቡር ኩነታት ግን ኣብዚ ሕጂ እዋን ምኽንያት ክንረኽበሉ ኣይተኻእለን ክብል ኣብ ማሕበራዊ ትካል ጥዕና ናይ ተላባዕቲ ሕማማት ተመራማሪ ዝኾነ ኣንደሽ ተግኒል ሓቢሩ።

መብዛሕትኦም በዚ ሕማም ዝጥቅዑን ክሳብ ሞት ዝበጽሑን ሰባት እቶም ደቂ 80 ዓመትን ልዕሊኡን ምዃኖም እቲ ትካል ጥዕና ሓቢሩ። ኣብ ሽወደን ይኹን ኣብ መላእ ዓለም ብሰንኪ ሕማም ክሮና ዝሞቱ እቶም ዓበይቲ ዕድመ እዮም። ተመራመርቲ ናይዚ ሕማም ከም ዝብልዎ፡ እቶም ቀንዲ ግዳያት ናይ ክሮና ቫይረስ እቶም ኣረጋውያንን ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባት ምዃኖም ይሕብሩ። ብዛዕባ ፍሉይ ሕክምናዊ ምክትታል ዘድልዮም ሰባት ግን እቲ ዝርዝራዊ ብዝሒ በብዕድመ ዝተፈላለየ ምዃኑ ሽወደናዊ ምክትታል ሕማማት (SIR) ንተለቪዥን ሽወደን (SVT) ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ገሊጹ። ብዝሒ ናይቶም ፍሉይ ሕክምናዊ ምክትታል ዘድልዮም ሰባት ብመንጽር ካልኦት ሃገራት ክረአ እንከሎ፡ ኣብ ሽወደን ዝወሓደ ምዃኑ ይፍለጥ።

እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ እቲ ቁጽሪ ካብ 20 ናብ 55 ክብ ከምዝበለን ምኽንያት መወሰኺ እቲ ቁጽሪ ንምፍላጥ ድማ ንመጽናዕቲ ዝኸውን እኹል ቁጽሪ ሕሙማት ከምዘየለ ናይ ተላባዕቲ ሕማማት ተመራማሪ ዝኾነ ኣንደሽ ተግኒል ሓቢሩ። ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ፍሉይ ሕክምናዊ ምክትታል ዘድልዮም ሕሙማት ክሮና ኣብ ሽወደን 62 ዓመት እዩ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ዓዲ ጣልያን ዘሎ ዝወሓደ እዩ ክብል ሓላፊ ማእከል ሓበሬታ ፡ዮኒ ሄልግሪን፡ ኣብሪሁ። ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሓሙስ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ብዛዕባ እቲ ብሕማም ክሮና ቫይረስ ዝተጠቕዐ ኣብ ፍሉይ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከብ ወዲ 27 ዓመት መንእሰይ ሕቶታት ኣብ ዝቐረበሉ እዋን እቲ ፍጻመ ከምዘይተረድኦን እቲ ሕማም ንደቂ 80 ክሳብ 90 ዓመት ዘለዉ ሰባት ከምዝቐዝፍ ጥራይ ርድኢት ከምዘለዎ ገሊጹ። ካብቶም ፍሉይ ሕክምናዊ ምክትታል ዘድልዮም ሕሙማት እቶም 9 ሕሙማት ካብ 20 ክሳብ 49 ዓመት ዕድመ ዘለዎም፡ 20 ሕሙማት ድማ ካብ 50 ክሳብ 65 ዓመት ዕድመ ዘለዎም፡ 20 ሕሙማት ድማ ካብ 66 ክሳብ 79 ዓመት ዕድመ ዘለዎምን እቶም 6 ሕሙማት ድማ ዕድመኦም ልዕሊ 80 ዓመት እዮም።

እዚ ቁጽሪ ናይ ሕሙማት ውሑድ ብምዃኑ እኹል ዝኾነ ሳይነሳዊ ሓበሬታ ክእከብ ከምዘይክእልን ብዝሒ ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ሕሙማት ድማ ትሕቲ 65 ኮይኑ ከምዘይቅጽል ኣንደሽ ተግኒል ደጊሙ ሓቢሩ። ብሕማም ክሮና ቫይረስ ዝተጠቕዑ ትሕቲ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሕሙማት እኳ እንተሃለውና እቶም ምሉእ ጥዕና ዘለዎም ኣብዚ ክሊ ዕድመ ዘለዉ ሰባት ግን በዚ ሕማም ናይ ምጥቃዕ ተኽእለኦም ውሑድ ምዃኑ ሓላፊ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ፡ ዮሃን ካርልሶን ይገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com