Monday , May 20 2024
Credit: Leif R Jansson/TT

ፐይማን ኪያ ንሕልፈት ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

ቤት ፍርዲ ስቭያ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ብ ከቢድ ወንጀል ስለያ ተኸሲሱ ጒዳዩ ክረአ ዝጸንሐ ፐይማን ኪያ ንሕልፈት ማእሰርቲ ፈሪዱ።
ተፈራዲ ኣብ ኣገልግሎት ድሕነት ሽወደን “ሳፖ” ተቖጺሩ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን ልዕሊ 90 ዝኸውን ስኑድ ሚስጥራት ሽወደን
ምእካቡ ገሊጹ’ሎ። ቤት ፍርዲ እኹል መርትዖታት ድሕሪ ምቕራብ ፥ ተኸሳሲ ንገንዘብ ክብል ስኑድ ሚስጥራዊ ሓበሬታታት ናብ
ትካል ወተሃደራዊ ስለያ ሩስያ–GIU– ከቐብል ብምጽንሑ፥ ንዕድመ-ልክዕ ማእሰርቲ ከም ዝፈረዶ ኣመልኪቱ’ሎ። ኣብ
ፈለማ፥ “ቤት ፍርዲ ይግባይ” ኣብ ልዕሊ ምንኣስ ሓዉ ንዝተዋህበ ውሳነ እውን ክርኢ ምዃኑ ተገሊጹ ኔሩ እዩ። ንሱ ኣቐድም
ኣቢሉ’ውን ብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ስቶክሆልም ብ ስለያ ገበነኛ ኮይኑ ከም እተረኽበ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ይግባይ
ሕቶኡ ምልዓሉ ተሓቢሩ’ሎ። ክልቲኦ ኣሕዋት ናብ ሩስያ ስለያዊ ሓበሬታ ብምቕባል እዮም ብኸቢድ ወንጀል ተኸሲሶም
ጸኒሖም።
ፐይማን ኪያ ናብ ሩስያ ክልተ ስለያዊ ሓበሬታታት ምልኣኹ፡ እንተኾነ ግና እቲ ኻልኣይ ዝተሰንዐ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ምንባሩ
ምግላጹ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com