Monday , May 20 2024

ፓርላማ ሽወደን ትጽቢት ዝተገብረሉ ሕጊ ይሰማማዓሉ፣ መንግስቲ ታሕተዎት ኣብያተ ትምህርታት ንኽዓጹ የፍቅድ ይቃድ ይረክብ።

መንግስቲ ሽወደን ኣድላይ ኮይኑ እንተድኣረኺብዎ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ቤት ትምህርታት ንኽዓጹ ካብ ትማሊ ሓሙስ ዝተጋብኤ ፓርላማ ሽወደን ፍቓድ ከምዝተዋህቦ ተፈሊጡ። እዚ ሓድሽ ሕጊ ነቶም ኣብ ሰላማዊ እዋናት ዘጋጥሙ ፍሉያት ተርእዩታት ተባሂሉ ዝሕገግ ምዃኑ ውን ተፈሊጡ ኣሎ። መንግስቲ ንቤት ትምህርታት እንተድኣ ክዓጹ ኮይኑ፡ ነቶም ወለዶም ኣብ ኣገደስቲ ማሕበራዊ ቦታታት ዝሰርሑ ቆልዑ መውዓልን መዘናግዕን መእለይን ቦታታት ከዳልውሎም፡ ከምኡ ውን ነቶም ፍሉይ ኣተሓሕዛ ሓገዝን ዘድልዮም ተማሃሮ ዘድሊ ነገራት ከዳሉ እቲ ሕጊ ከምዝግድዶ ተፈሊጡ ኣሎ።

መንግስቲ ነቲ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ትምህርቲ ናይ ምዕጻው ፍቓድ ብቐጥታ ከተግብሮ ከምዘይግደድን ንኽዝትየሉ መሰል ከምዘለዎን እቲ ሕጊ ብተወሳኺ የፍልጥ። መንግስቲ ሽወደን ሎሚ ኣብ ዝገበሮ ዘይንቡር ኣኼባ፡ ንምቛም ዝርዝር ናይቶም ዝእለዩ ደቂ ኣብ ኣገደስቲ ማሕበራዊ ስራሓት ዝሰርሑ ወለዲ፡ ምንባሩ ተሓቢሩ። መንግስቲ ሽወደን ኣብቲ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ንሕክምናዊ ኣገልግሎት፡ ፖሊስ፡ መጥፋእቲ ሓውን ካልኦትን ከም ኣገደስቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኢሉ ጠቒስዎም ይርከብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com