Tuesday , May 21 2024
(AP Photo/Jacquelyn Martin) MDJM114

ፓቦ ኣብ ስነፍልቀት ወዲሰብ ብዝገብሮ ሳየንሳዊ ኣበርክቶ ተሸላሚ ኖቢል ኮይኑ።

ሽወደናዊ ሳየንሰኛ ስቫንት ፓቦ፡ ናይዚ ዓመት ተሸላሚ ኖቤል ዓውዲ ፊዝዮሎጂ ወይ መዲሲን ምዃኑ ተፈሊጡ።.
67 ዝዕድሜኡ ተቐማጢ ስቶክሆልም ፓቦ፡ "ን ሕነተ-ሰረት (“ጂኖም”) ጻንታ ዓሌተ ሰብእ ከምኡ’ውን ዘገምታዊ ፍልቀት
ወዲሰብ ኣመልኪቱ ብዝገበሮ ኣገዳሲ ሳየንሳዊ ኣበርክቶ እዩ ነዚ ሽልማት በቒዑ ዘሎ። ንሱ ብፍላይ ኣብ ጻንታ ዓሌት ወዲሰብ ዝኾነ
“ኒያንደርታል” ምሉእ መሳርዕ “ጂኖም” ኣብ ልዕሊ ምክያዱ፡ ደኒሶቫንስ ዝተባህለ ዝጸነተ ዓሌት ሰብእ እውን ምድህሳሱ
ተፈሊጡ’ሎ።

“ፓቦ ኣብ ፍልቀት ሓንጎል ወዲሰብን ዝወረስናዮም ናይ ጂናት ብዝሕን ዝገበሮ ዳህሳስ ኣብ ዓውዲ ሕክምና ርኡይ ጽልዋታት ከም
ዝህልዎ ኣየጠራጥርን” ክትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሮሊንስካ መምህር “ኢምዩኖሎጂ”፡ ከምኡ’ውን ኣባል ኮሚተ ኖቤል ጉኒላ
ካርልሰን-ሀደስታም ገሊጻ’ላ።

ፓቦ ዝበዝሐ ምርምራቱ ኣብ ሃገረ ጀርመን ዩኒቨርሲቲ ሙኒክ ትካል ማክስ ፕላንክ ከም ዘካየዶ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com