Monday , May 20 2024

ፕረዚደንት ትራምፕ ን ስትራተጂ ሽወደን ኣብ ኣታኣላልየ ኮረና ቫረስ ይነቅፍ።

ፕረዝደት ኣሜሪካ ትራምፕ ትማሊ ምሸት ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ዋይት ሃውስ ን ማእከናት ዜና ኣብ ዘሃቦ መግለጺ ን ኣተሓሕዛ ሽወደን ኣብ ምግታእ ኮቪድ 19 ዝተኸተሎቶ ኣካይዳ ብከቢድ ነቒፉ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ ” ርኣይዋ ሽወደን ብዝተከተሎቶ ስትራተጂ እንሄት ብከብድ ትሳቀ ብምባል” እዩ ን ፖሊሲ ሽወደን ኣብ ጉዳይ ኮሮና ቫይርስ ዝነቀፋ።

ትራምፕ ኣብ መግለጺኡ ነዚ ለባዳ ብቀሊል ዝተገንዘብኦ ሃገራት  ከም በዓል ኢንግሊዝ ሕጂ ዘለውኦ ኣብነት እዩ ክብል ከም ሽወደን ኣብ ሽግር ዘላ ሃገር ክብል ብተወሳኺ ይወቅሳ። ትራምፕ ወሲኹ ሳላ ዕቱብ ስጉምቲ ማለት ሳላ ሰባት ኣብ ገዝኦም ክዕጸወ ብምግባርና፣ ኣብያተ መግቢን መስተን ሳላ ዝዓጸና ብ ኣሸሓት ሰባት ካብ ሞት ነድሕን ኣለና ክብል ነቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ቁኑዕ ሙኻኑ ይገልጽ።

ቀንዲ ሽወደን ትውቀሰሉ ካብ ዘላ ታሕተዎት ኣብያተ ትምህርቲ ዘይመዕጻዋን ሰባት ብ ኣሰገዳድ ኣብ ገዞም ክጸንሑ ዘይምግባራ ብሙኻኑ፣ ነዚ ናይ ትራምፕ ዝሃቦ መግለጺ ኣማኻሪ በዓል መዚ ጥዕና  ሽወደን ቲግነል ኣብ ዝሃቦ መልሲ ” ንሕና ካብ ኒውዮርክ ንሓይሽ ብምባል ናይ ትራምፕ ዘረባ ንፖሊትካዊ ሃልኪ ብሙኻኑ ግምት ዝወሃቦ ኣይኮነን ይበል”።

ትግነል ወሲኹ  ኣብዚ ሕጂ እዋን በዚ ለበዳ ዘይቲሳቀ ሃገር የላን ከምእውን ዘለናዮ ኩንታት ኣዚዩ ከቢድ እዩ ግን ምስ ከተማ ኒውዮርክ ብምምንጽጻር ንሕና ንሓይሽ ክበል ወሲኹ ሓቢሩ። ንሱ ቀጺሉ ነዚ ለበዳ ንምግታእ ኣዝና ንሰርሕን ንጽዕርን ኣለና መቀበሊ ህጹጽ ረዲኤት ኣብ ኩሉ ብምድላው ኣብ ተጠንቀቅ ንርከብ ኣለና ክብል ንህልው ኩነታት ሽወድን ይገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com