Monday , May 20 2024

20 ምምሕዳራት ሽወደን ጥዕናዊ ጽላተን ሕጽረት ኣለዎ ተባሂሉ።

ጥዕናዊ ኣገልግሎት ሽወደን ኣብ ጽቡቕ ኲነታት እኳ እንተሃለወ ገለ ምምሕድራት ግና ዓመታዊ ክሳብ 7 ቢልዮን ክሮና ዝግመት ክሳራ ከም ዘመዝገባ ፋይናንሳዊ ፕሮጀክስን ሽወደን ኣመልኪቱ። እዘን ምምሕድራት ብሰንኪ ክብሪ መድሃኒትን ክብሪ ዋጋ ኣባላተንን እየን ነዚ ክሳራ ተቓሊዐን ተባሂሉ’ሎ። በዚ ምኽንያት ክልተ ምምሕድራት ቀረጽ ክውስኻ ከም ዝኽእላ ተገሊጹ’ሎ።

ንኣብነት ኣውራጃ ኤረብሮ ናይ 450 ሚልዮን ክሮና ጐደሎ ከም ዘለዋ ተመልኪቱ። ሓላፊት ጥዕናዊ ኣገልግሎት ኤረብሮ “ንዜጋታትና ብቑዕ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ክንህብ ባህጊ ኣሎና” ኢላ። ምንቊልቋል ጥዕናዊ ኲናታት ብምክንያት ምውሳኽ ኣዛውንቲ ከምኡ’ውን ሕዱር ሕማም ንምክንኻን ዝያዳ ወጻኢ ዝሓትት ምስ ምዃኑን እዩ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com