Monday , May 20 2024
Johan Nilsson / TT / Kod 50090

213 ሽሕ ክሮና ናብ ግጉይ ሕሳብ ይኣቱ።

213 ሽሕ ክሮና ሽወደን ብጌጋ ናብ ተመሳሳሊ ስም ዘለዎ ሕሳብ ካልእ ሰብ ክኣቱ እኳ እንተተገብረ እቲ በዓል ሕሳብ ነዚ ገንዘብ ከረክብ ፍቕደኛ ብዘይምዃኑ ኣብ ቤትፍርዲ ኣውራጃ Sydöstran ፍርዱ ከም እተቐበለ ይግለጽ ኣሎ።

ሓቀኛ ወናኒ እቲ ሕሳብ ካርልሻምንስቦን ነቲ ብጌጋ ነቲ ገንዘብ ዝኣተወሉ ሰብ ረኺቡ ክላዘቦ እኳ እንተፈተነ እቲ ሰብ ግና ከምዚ ዝበለ ገንዘብ ዘይምቕባሉ ብምግላጽ ዳግማይ ክድውለሉ ከም ዘይደሊ ቊርጺ መልሲ ይህቦ። እንተኾነ ግና እቲ ሰብ ብጌጋ ዘይናቱ ሕሳብ ከም እተቐበለን ክልተ ሳዕ ናይ 55 ሽሕን 50 ሽሕን ምዝውዋር ገንዘብ ምክያዱን ዕዳታቱ ንምኽፋል ካብቲ ገንዘብ ከም እተጠቀመን ሕሳባት ባንክ ኣቃሊዖም። እቲ ሰብኣይ እቲ ገንዘብ ካበየናይ ሕሳብ ምምጽኡ ክፈልጥ ከም ዘይከኣለ፡ ነቲ ገንዘብ ክዓድዮ እውን እንተፈተነ ሕሳቡ ክዕጾ ከም እተገብረ ብምግላጽ ነብሱ ክከላኸል ፈቲኑ እዩ።

ቤት ፍርዲ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ብምጥቃም ነቲ ሰብኣይ ፍርዱ ኣመሓላሊፉሉ’ሎ። በዚ መሰረት መዓልታዊ ናይ 3000 ክሮና ክዕደ ከምኡውን ነቲ ልዕሊ 213 ሽሕ ዕዳ ወዲኡ ክኸፍል ብይኑ ሂቡ’ሎ።

 

 

 

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com