Friday , March 29 2024
Johan Nilsson/TT

ምስ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጻር ኣብ ዓመተ 2018 ኣብ ኣበል መንበሪ ዝተራእየ ምትላል ብዕጽፊ ምዕባዩ ዘመልክቱ ጥርጠራታት ፖሊስ ምጽብጻቦም ተገሊጹ።

ዓሚ ብጠቕላላ 2400 መርመራታት ዝተገብሩ ኮይኖም፥ ሰባት ኣበል መንበሪ ንምርካብ ገጒይ ጸብጻባት ምቕራቦም ትካል ኣባይቲን ክራይን ጸብጺቡ’ሎ።

እዚ ምስ ናይ ዓሚ እንክነጻጸር ዳርጋ ተመጣጣኒ እዩ እኳ እንተተባህለ ፖሊስ ግና ብቚጽሪ ኣዝዮም ዝበዝሑ ጸብጻባት ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ኣብ Försäkringskassan ዝሰርሕ Daniel Lundmark እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት እቲ በዓልመዚ ኣየናይ እዩ ርኡይ ምትላል ኣየናይ እዩኸ ዘይኮነ ኣብ ምልላይ ኣዝዩ ስሉጥ ዝኾነ ኣገባብ ምምዕባሉ እዩ ይብል።

“ቅድሚ ሕጂ ዝሕል ዝበልና ይመስለኒ” ይብል ንጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ ቃል።

ብጠቕላላ Försäkringskassan ኣብ ዓመተ 2018 ጥራይ 30 ሚልዮን ክሮነር ኣብ ኣበል ኣባይቲ ከም እተኸፍለን እዚ ድማ ምስ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት እንክነጻጸር ናይ 12 ሚልዮን ክሮነር ወሰኽ ከም ዝነበሮን ተመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com