Wednesday , April 24 2024
TT

ኣብያተ ፍርዲ ገበነኛታት ካብ ሽወደን ንኽባረሩ ብይን ካብ ምሕላፍ ድሕር ክብላ የብለንን።

ኣብያተ ፍርዲ ዋላ’ውን ዝከኣል ኣይዂን ገበነኛታት ካብ ሽወደን ንኽባረሩ ብይን ካብ ምሕላፍ ድሕር ክብላ የብለንን።

እዚ መደምደምታ ዝወሃብ ዘሎ ብሰሉስ ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ድህሪ እተዋህበ ሰለስተ ብይናት እዩ።

ኣብቲ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ዝሃቦ ውሳኔ ገበነኛታት ፍርዶም ኣብ ሽወደን ምስ ወድኡ ናብ ዓዶም ከም ዝባረሩ ካብ ምግባር ዝዓግት የብለንን ኢሉ።

እቲ ገበን ምብራር ዝጠልብ እንተኾይኑ እዘን ታሕተዎት ኣብያተ ፍርዲ ኣብ ዝህብኦ ብይን ከጠቕልልኦ ይኽእላ እየን ክብል ብይን ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ወሲኑ’ሎ።

ገበነኛ ናብ ዓዱ ክስጐጐሉ ዘይክእለሉ ምኽንያት እንተሎ እቲ ውሳኔ ብቦርድ ማይግሬሽን ጥራይ ክጸድቕ ከም ዘለዎ’ውን ተሰሚሩሉ’ሎ።

ዝሓለፈ ክረምቲ ኣብ ምኲራብ ኣይሁድ ገዚፍ ዕንወት ኣውሪድካ ብዝብል እተኸሰ ናይ ወዲ 23 ዓመት ፍልስጤማዊ ጒዳይ ካብዞም ደረኽቲ ክሲታት ሓደ እዩ።

ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ነቲ ነዚ ገበነኛ ናብ ዓዱ ክስጐጒ ኣይክእልን እዩ ንዝብል ውሳኔ ከም ዝነጸጐን ነቲ ሕቶኡ ፍሩሽ ምግባሩን ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com