Tuesday , July 16 2024

ተቖጺርካ፡ ማለት ኣብ ትሕቲ ሰብ ምስራሕ (1)

ስራሕ ምስ ተቖጸርካ፡ እቲ ምስቲ ወሃቢ ስራሕ ዘሎካ ናይ መሰልን ግዴታን መምርሒታት ክትፈልጦም ኣገዳሲ እዩ።

መልክዓት ስራሕ

ክልተ ዓይነት መልክዓት ስራሕ ኣሎዉ:

  • ደረት-ኣልቦ ስራሕ (tillsvidareanställning)
  • ድሩት ስራሕ (tidsbegränsad anställning)

ደረት-ኣልቦ ስራሕ፡ ስሕት ኢሉ ቀዋሚ ስራሕ ተባሂሉ ይጽዋዕ’ዩ። እዚ ዓይነት ስራሕ’ዚ፡ ንግዚኡ ዝጸንሕ ወይ ምስ ግዜ ዝኸይድ ስራሕ እዩ። ዘብቅዓሉ ፍሉይ ዕለት የብሉን።

ድሩት ስራሕ፡ እዋናዊ ስራሕ (visstidsanställning) ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ’ዩ። ብሓፈሻ ግን ደረት ግዜ ዘሎዎ ስራሕ’ዩ።

ኣብነታት ካብ ዓይነታት ድሩት ስራሕ:-

ብዙሕ ዓይነታት ድሩታት ስራሓት ኣሎዉ።

ሓፈሻዊ ግዝያዊ ስራሕ

ሓፈሻዊ ግዝያዊ ስራሕ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ድሩት ግዜ ትሰርሕ ማለት እዩ። ወይ ከኣ ንሓደ ዕማም ንምውዳእ ተባሂሉ ኣብ ሓደ ፍሉይ ግዜ ትሰርሕ ማለት እዩ። ንኣብነት ናይ ሓደ ፍሉይ ፕሮጀክት ሰራሕተኛ ኴንካ ንዝተወሰነ ግዜ ትሰርሕ። ወይ ድማ እቲ ሓለቓ ይድውለልካ’ሞ ብሰዓታት ክትሰርሓሉ ይሓተካ። እዚ ሓድሓደ ግዜ ሰዓታዊ ስራሕ ይብሃል።

ቪካርያት ወይ ተካኢ

ከም ቪካርያት ወይ ተካኢ ኴንካ ክትሰርሕ እንከለኻ፡ ናይ ካልእ ሰብ ስራሕ ኢኻ እትዓምም ዘሎኻ። እዚ ማለት ድማ፡ ንኣብነት ሓደ ብናይ በዓልቲ ቤቱ ምሕራስ ዕረፍቲ ዝወሰደ ሰብ።

ተሞክሮኣዊ ወይ ናይ ፈተነ ስራሕ (Provanställning)

ዝበዝሕ ግዜ፡ ደረት-ኣልቦ ስራሕ ክወሃበካ እንከሎ፡ ብናይ ምኮራኣዊ ስራሕ ኢኻ እትጅምሮ። ምኮራኣዊ ስራሕ፡ ሓደ ወሃብ ስራሕ፡ ከም ሰራሕተኛ ክፍትነካ ኢሉ ዝጥቀመሉ ሓደ ኣገባብ’ዩ። እቲ ምኮራኣዊ ስራሕ፡ ጸኒሑ ናብ ቀዋሚ(ቀዋሚ ስራሕ ክብሃል እንከሎ ትጅምረሉ እምበር ትውድኣሉ ኣይፍሉጥን። ስራሕ ወዲእካ ኣለኻ እንተተባሂልካ ግን ስለምንታይ ዝብል ሕቶ ክምለሰልካ ኣለዎ።) ስራሕ ይቕየር። ምኮራኣዊ ስራሕ፡ ካብ ሽድሽተ ኣዋርሕ ንላዕሊ ክኸውን የብሉን። ኣቐዲሙ ግን ከብቅዕ ይኽእል’ዩ።

ኣብ ሓደ ስራሕ ንብዙሕ እዋን ከየልገስካ ከም ሓፈሻዊ ግዜኣዊ ሰራሕተኛ ኴንካ ምስ እትሰርሕ ብመሰረት ሕጊ ቀዋሚ ስራሕ ክውሃበካ መሰል ኣሎካ። ማለት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ናይ ክልተ ዓመት ቀጻሊ ድምር ስራሕ ምስ እትሰርሕ፡ ሽዑ ናብ ቀዋሚ ሰራሕተኛ ክትሰጋግር ትኽእል። እዚ ድማ ‘ኢንላሳድ’ ምዃን ይብሃል። እዚ፡ ካብቲ ‘LAS’ ዝብል ናይ ምክልኻል ሰራሕተኛታት ሕጊ ዝነቐለ ቃል እዩ።

ምንጪ: informationsverige


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com