Monday , May 20 2024

ጥዕና ዝህብ ጸባ ንእግሪ-ተከል ቆልዑ

እግሪ-ተከል ቆልዑ ልክዕ ከምቶም ዝዓኩ ዘልዉ ህጻናት ወይ ናይ እግሪ-ተከል ቆልዑ ጸባ ክሰትዩ ይኽእሉ’ዮም። ካብ 1 ክሳብ 3 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ፍሉይ ጥዕናዊ ትሕዝቶ ዘልዎ ጸባ ምሃብ ብዙሕ ኣገዳሲ ኣይኮነን።

ኣብዚ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዝርከብ ለበዋታት፡ እግሪ-ተከል ቆልዑ ኣብ ልዕሊ’ቲ ጸባ ከም ቪንታሚ D; ኣይረን (Iron) Omega 3 Fatty Acid ዝኣመሰለ ትሕዝቶ ዘልዎ መግቢ ክረኽቡ ይሕግዝ።
• ክሳብ 4 ዓምት ዝዕድሚኦም ቆልዑ፡ 10 ሚክሮግራም ተወሳኺ ቪንታሚን D ክወስዱ ኣለዎም። ከደራይ ሕብሪ ቆርበት ዘለዎም ቆልዑ፡ ቪንታሚን D ዋላ’ውን ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ክወስዱ ይግባእ። እዚ ከኒና ኣብ ፋርማሲ ወይ ቤ/ት መሸጣ መድሃኒት ክርከብ ይኽእል።
• ቆልዑ እኩል ቅብኣት ንኽረኽቡ ምስቲ ዝበልዕዎ ፓኒኖ ትሑት ስብሒ ዘለዎ ማርጋሪን ምልካይ ይከኣል። ስለዚ ዝለዓለ Omega 3 Fatty Acid ትሕዝቶ ዘለዎ ዝልከ ምግዛእ።
• ስጋ ወይ ናይ ስጋ ትሕዝቶ ዘለዎ መግቢ ኣብ መኣዲ ምቕራብ ኣገዳሲ’ዩ፡ ምኽንያቱ ናይ ኣይረን (Iron) ትሕዝቶ ስለዘለዎ። ኣካላትና ናይ ኣይረን (Iron) ትሕዝቶ ብብዝሒ ዝረክብ፡ እቲ ንበልዖ መግቢ ብሓባር ምስ ናይ ቪታሚን C ትሕዝቶ ዘለዎም ዓይነታት መግቢ ምስዝውሰድ’ዩ፡ ንኣብነት ከም ሓንቲ ፍሩታ።

ምኽሪ ብዛዕባ ጸባ
ጸባ ምንጪ ቪታሚናት B2, B12 ከምኡ’ውን ካልሲዮም እዩ። ነዞም መኣዛታት ንምርካብ፡ እግሪ-ተከል ቆልዑ ጸባ ምስታይ የድልዮም። ካብ 1 ዓመት ንደሓር; ሓደ ቆልዓ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 300 ሚሊሊትሮ ጸባ ወይ ትሕዝቶ ጸባ ከድልዮ ከሎ፡ 10 ሚሊግራም ፎርማጆ (Cheese) ድማ የድልዮ። እዚ ማለት ንኣብነት፡ 2 ኩባያ ጸባ፡ 1 ኩባያ ትሑት ስብሒ ዘለዎ ርግኦን ሓደ ቁራጽ ፎርማጆን ማለት’ዩ።

እንታይ ዓይነት ጸባ?
ብዝበለጸ ላህመት/ስብሒ ዘይብሉ ወይ ትሑት ትሕዝቶ ላህመት ዘልዎ (Halfvolle of Magere melk) ተመራጺ ኮይኑ፡ ተወሳኺ ሽኮር ዘይብሎም ካልኦት ትሕዝቶ ጸባ’ውን ምጥቃም ይከኣል።

ምንጪ: Eritreeërs Gezond


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com