Tuesday , May 21 2024
File photo from another archaeological excavation in Peru. (AP Photo/Karel Navarro)

800 ዓመት ዝዕድሚኡ ዓስኬሬን ኣብ ፔሩ ተረኺቡ

ኣብ ሃገረ ፔሩ ኣብ ዝተገብረ ኩዕታ፡ ሓደ 800 ዓመት ዝገበረ ዓስኬሬን (mummy) ከም ዝተረኽበን፡ ኣብ ግዜ ሂወቱ፡ እቲ ሰብ ኣብ ፔሩ ዝርከቡ እምባታት ኣንደስ ይነብር ከምዝነበረ ይጥርጠር ክብል ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ፡ ፒተር ቫን ዳለን ሉና፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ብካርቦን-14 ዝፍለጥ ኣገባብ መርመራ፡ እቲ ቅኑዕ ዝኾነ ዕለት ከፍልጠና ክኽእል እዩ ክብል፡ ፒተር፡ ገሊጹ።

እቲ ዓስከሬን፡ ካብ ርእሲ ከተማ ፔሩ፡ ሊማ፡ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ከምዝተረኽበ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብቲ መቓብር፡ ከም እምነ በረድ፡ ናይ ኣሕምልቲ ተረፍ መረፍን ብእምኒ ዝተሰርሑ ናውትን ከምዝተረኽቡ፡ ፒተር፡ ሓቢሩ።

ኣብ ሃገረ ፔሩ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናይ ስነ ጥንቲ ቦታታት ከም ዘለዉ፡ ፒተር፡ ብምውሳኽ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com