Saturday , June 1 2024

ስራሕን ቁጠባን

ሃንድልስባንከን 800 ካብ ሰራሕተኛታቱ ከሰናብት እዩ ተባሂሉ።

ሃንድልስባንከን ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ጨናፍሩ 800 ሰራሕተኛታት ከሰናብት እዩ ተባሂሉ። እዚ ድማ ኣብ ሽወደን ንዝርከቡ ሰራሕተኛታቱ ዝጸሉ እዩ ኮይኑ። በዚ ዘለዎ ኲነታት እዚ ባንክ ወጻኢታቱ ብ 1.5 ቢልዮን ክሮና ሽወደን ክንኪ ኣለዎ እዩ ዝበሃል ዘሎ። እዚ ምጒዳል ወጻኢታት ኣባላትን ኣማኸርትን ኣብ ባንክ ምግዳፍ ንዝብል ዘጠቓልል እዩ ክብል ዋና ኣካያዲ ሓቢሩ’ሎ። ስትርከርስትሮም ኣብ ሽወደን ዘለዉ ኣብያተ ጽሕፈታት ምንካይ ግቡእ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ግብሪ ነዳዲ ንምቕናስ ሓድሽ ሕጊ ይበጋገስ።

ካብ ዝቕጽል 1 ጥሪ ጀሚሩ ግብሪ ነዳዲ ክጎደል ዘኽእል ሕጊ ብመንግስቲ ሽወደን ክውሰን ትጽቢት ይግበረሉ። እዚ ውሳነ ዝተቓልሐ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ሞንጎ ንመንግስቲ ኣቚመን ዘለዋ ክልተ ሰልፍታትን ሊበራላዊ ሰልፍን ማእካላይ ሰልፍን ዝተገብረ ስምምዕ ናይ 2020 ሕጊ ባጀት እዩ። ዕላማ ናይዚ ሕጊ ድማ ነቲ ኣብ መዐደሊታት ነዳዲ ዝረአ ዘሎ ወሰኽ ዋጋ በንዚንን ናፍታን ንምስትኽኻል ኮይኑ ብመንገዲ ድጎማ ካብ መንግስቲ ክኸውን ተባሂሉ …

Read More »

ሽወደን ኣብ ዓለም ዝበለጸ “ጽብቕ ስም” ዘለዋ ሃገር ተባሂላ ትርቓሕ።

ሽወደን ኣብ ዓለም ዝበለጸ “ጽብቕ ስም” ዘለዋ ሃገር ብምባል ንኻልኣይ ግዚኣ ትስየም። ትካል ኣህጒራዊ ዝና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሽወደን ግዝኣተ ሕጊ፥ ተሓታትነትን ጸጥታን ዝነገሰላ ህዝባ ጽቡቕ መነባብሮ ዘሕልፈላን ኣጋይሽ እትቕበልን ኣዝያ ምዕርግቲ ሃገር እያ ኢሉ። “ዝና ሃገራት ንበጻሕቲን ኣውፈርቲን ብሓፈሻ ድማ መንብሮኦም ዝመርጹን ሰባት ዝጸሉ ኣገዳሲ ረቛሑ እዩ” ክትብል ዳይረክተር ጀነራል ትካል ሽወደን ማድሊን ሲዮስታድ ትገልጽ። “ሰደድና ንምልማዕን ፍሉይ ተውህቦ …

Read More »

ኩባንያ መፍረ መኪና ቮልቮ ናይ ኤሌክትሪክ መኪና ከፍሪ ጀሚሩ።

ሽወደናዊ ናይ ቮልቮ ካምፓኒ ንፈለማ ግዚኡ ናይ ኤሌክትሪክ መኪና ሰሪሑ። እዛ መኪና ንእሽቶ ኮይና ሓንሳብ ባትሪ ምስ መልአ ን40 ማይል ብዘይምቁራጽ ክትጓዓዝ ከም እትኽእል ብተወሳኺ ሓቢሩ። ናይ ኤሌክትሪክ መኪና ምሰራሕ አገዳስነቱ ንቮልቮ ዓቢ ከም ዝኾነ ሓላፊ ቮልቮ ሃካን ሳሙኤልሰን ይሕብር። ቮልቮ: ነቲ ጠንቂ ምቕያር ክሊማ ዓለምና ዝኾነ ካርቦንዳይኦክሳይድ ኣብ ምጉዳል አበርክቶኡ ከዕዝዝ ቅሩብ ምህላዉ ብተወሳኺ ገሊጹ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት …

Read More »

20 ምምሕዳራት ሽወደን ኣብ ዝቕጽል ዓመት መጠን ግብሪ ክውሰኻ ወሲነን።

ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ንምብዳህ ዝቕጽል ዓመት ልዕሊ ዒስራ ምምሕዳራት ሽወደንን ገለ ከባቢታትን መጠን ዝኽፈል ግብሪ ክውስኻ እየን ክብል ሃገራውን ምምሕዳራውን ኮንስል (SKL)ሓቢሩ። ብዙሓት ምምሕዳራት ናይ ምቑጣብ ዓቕመንን አድማዕነት ኣሰራርሓን ንኸመሓይሻ ይጽዕራ ከምዘልዋ ይገልጻ። ብመሰረት SKL ዝበሎ: ምስ ምውሳኽ ቁጽሪ ዓበይትን ከምኡ ውን ቁጽሪ ናይቶም ሸኸም ባጀት ምምሕዳራት ኮይኖም ዘለዉ ትሕቲ ዕድመ እዚ ቅልውላው ኣብ ልዕሊ ዲሞግራፍያዊ ለውጢ ኣበርክቶ …

Read More »

ባይቶ ሽወደን ዕድመ ጡሮታ ክውስኽ ኣድሚጹ።

ባይቶ ሽወደን ዝተሓተ ዕድመ ጡሮታ ካብ 61 ናብ 62 ክብ ክብል፥ ክሰርሓ ድሌት ዘለወን ደቀንስትዮ ኸኣ ኣብ ክንዲ 67 ናብ 68 ክዓቢ ኣብ ዝብል ትማሊ ድምጹ ሂቡ። እዚ ናይ ጡሮታ ዕድመ ካብ 2020 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ሙዃኑ ተሓቢሩ። ብመሰረት ሬድዮ ሽወደን ቅድሚ 1958 ወይ 1960 ዝተወልዱ ሰባት ኣብዚ ሓድሽ ኣሰራርሓ እቱዋት ኣይክዀኑን እዮም። እዚ ማለት ኣብ 62 ጡሮታ ክወጹ …

Read More »

ድሕሪ 2013 መጠን ሽቕለት ኣልቦነት መንእሰያት ሽወደን ንመጀመርታ እዋን ወሲኹ ተባሂሉ።

እዚ ተርእዮ ቊጠባ ሽወደን የንቈልቁል ምህላዉ ዘመልክት እዩ፥ እዚ ድማ ኣሻቓሊ እዩ ክብል ጸብጻብ ተሌቪዥን ሽወደን ኣመልኪቱ። ብመሰረት በዓልመዚ ዕዮ ዝፈነዎ ኣሃዛት ሽቕለት ኣልቦነት መንእሰያት ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 24 ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እንክነጻጸር ናይ 700 ሰባት ዕቤት ኣርእዩ ኣሎ። ብኣጠቓላሊ ኣብዚ ክረምቲ ሽቕለት ኣልቦነት ክውስኽ ተራእዩ’ሎ። ዝሓለፈ መስከረም 353 ሽሕ ሰባት ስራሕ ኣልቦ ተባሂሎም ዝተመዝገቡ ኰይኖም እዚ ምስ …

Read More »

ፕረዚደንት ፈደረሽን ማሕበር ንግዲ፡ ንትሑት ብቕዓት ሞያ ዘለዎም ሰባት ንዝዋሃብ ፍቓድ ስራሕ ክተርር ጸዊዑ ።

ትሑት ብቕዓት ንዘድልዮም ስራሓት ንኽሰርሑ ናብ ሽወደን ዝመጹ ሰባት ቁጽሮም ክውሕድ ኣለዎ፡ ፓርላማ ነዚ ጉዳይ ጸማም እዝኒ ሂቡ ሸለል ክብሎ ከምዘይብሉን ትሪር ናይ ኤሚግሬሽን ፖሊሲታት ክህሉ ከም ዝደሊን መራሒ እቲ ማሕበር ዝኾነ ካርፕ ፒተር ሶራልድሰን ን ዳገንስ ንሄተር ዝተባህለ ጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣስሚዑ። ብመሰረት ቃል ፕረዚደንት እቲ ማሕበር፡ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ብምኽንያት ስራሕ ናብ ሃገር ንምእታው ፍቓድ ዝወሃቦም …

Read More »

መሸጢ ሓራጅ ሚሮርና ሰዓታት ሰራሕተኛታቶም ከጒድሉ እዮም።

ሰንሰለታዊ ሹቕ ሓራጅ ሚሮርና ዋጋ ኣቕሑ ብፍርቂ ብምጒዳል ሰዓታት ሰራሕተኛታትን ክቕንስ ድሌት ከም ዘለዎ ኣካየድቲ እቲ ትካል ገሊጾም። ሰንሰለት ሚሮርና ኣብ ሽግር ዘለዉ ሰባት ንምሕጋዝ ንፕሮጀክት ሳልቬሽን ኣርሚ ከም ዝምውል ይፍለጥ። ብመሰረት ቃል ኣካያዲት ዕድጊ ሚዮርና ካይሳ ኢንገማርስዶተር እዚ ምጒዳል ዕላማታቱ ኣብ ምስላጥ ኣድላዪ ስጒምቲ እዩ። ብምጒዳል ሰራሕተኛታት ሓዘን ዝስምዖ ምዃኑ እንተኾነ ንስለቲ ዝፍጽሞ ማሕበራዊ ዕዮ ክብል ነዞ ግድነት ክፍጽሞ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ውሑድ ዝመጠኑ ምጒዳል ዝቕባበ ክህሉ ትንቢት ተጌሩ።

ብመሰረት TNS ዘካይዶ ዳህሳስ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ቊጠባ ሽወደን ትጽቢታት ዝቕባበ ምጒዳል ኣርእዩ ኣሎ። ካብ ብርክት ዝበላ ኲባንያታት ዝተዋዝኡ ኣካየድቲ ዕድጊን ወከልቲ ማሕበራት ንግዲን ኣብቲ ዳህሳስ ምስታፎም ድማ ተፈሊጡ።፡ ብመሰረት ትንበያታት ኣብ ሓደ ዓመት ዝቕባበ ናብ 1.6 ሚእታዊት፥ ኣብ ክልተ ዓመታት ከኣ 1.8 ሚእታዊት ክበጽሕ እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ። ኣብ መስከረም ዝተሓትመ ዝሓለፈ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ ኣብ ሓደ ዓመት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com