
ERIC PIERMONT/TT
ወይዘሮ ሳህለ ወርቅ ዘውዴ ብባይቶ ኢትዮጵያ ቀዳመይቲ ናይ ኢትዮጵያ ፕረሲደንት ኮይነን ተመሪጸን።
ንሰን ኣቐዲመን ከም ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኮይነን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣገልጊለን፡ ከምኡውን ኣብ ናይሮቢ ናይ ው.ሕ ቤትጽሕፈት ዋና ዲረከተር ኮይነን ኣገልጊለን።
ወይዘሮ ሳህለወርቅ ነቲ ካብ 2013 ጀሚሩ ናይ ኢትዮጵያ ፕረሲደንት ዝነበረ ሙላቱ ተሾመ እየን ዚትክኣ ዘለዋ።