Friday , April 26 2024
ZUMAPRESS.COM / MEGA/TT

ቱርኪ ነቲ ቅትለት ካሾጊ፡ ብፊልም ከም ዝቐረጸቶ ትገልጽ

ኩሉ ዓለም ብዛዕባ እቲ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጃማል ካሾጊ ሕቶታት የቕርብ ኣሎ። ይኹንምበር፡ ብመሰረት ጸብጻባት፡ ቱርኪ ናይቲ ፍጻመ ብፊልም እተቐድሐ መረጋገጺ ኣሎዋ።

እቲ ፊልም ወይ ቪደዮ፡ ቅትለት ካሾጊ ኣብ ውሽጢ ቤትጽሕፈት ቆንስል ስዑዲ ከም እተፈጸመ ይገልጽ። ነዚ ሓበሬታዚ ዝሃበ ድማ ኣስራሒ ናይቲ ጋዜጠኛ ዝኾነ ዋሺንግቶን ፖስት እዩ።

ገለ ማዕከናት ዜና ከም ዚብሉዎ፡ እቲ ምርመራን ስቓይን ቅትለትን ኣብቲ ቪደዮ ተቐዲሑ ኣሎ። ግን፡ እዚ ሓበሬታዚ ብወግዒ ኣይተዘርገሐን፡ ከመይሲ ከምዚ ዝበለ ሓበሬታ ንቱርኪ ከም ሰላዪት ኤምባሲታት ከምስላ ይኽእል እዩ።

ናይ ኣጽዋር መሸጣ ስክፍታታት

ኣብዚ እዋንዚ ናይ ፈረንሳ ፕረሲደንት ኢማኑኤል ማክሮን ድምጹ ኣንጻር ስዑዲ የልዕል ኣሎ።

ንሱ ነቲ ጉዳይ ኣዚዩ ተኣፋፊ ምዃኑን ግልጽነት ኪህሉዎን ኪጽናዕ ድማ ከም ዘለዎን ገሊጹ።

ፈረንሳ ሓንቲ ካብተን ንስዑዲ መሳርያ እትሸይጥ ሃገር እያ።

ብወገን ኣመሪካ፡ እቲ ባይቶ ነቲ ምስ ስዑዲ ዓረብ ዘካዪዶ ናይ መሳርያታት ንግዲ ደው ከብሎ ጠሊቡ።

ልሉኻት ስዑዲ ዓረብ ኣብቲ ምርመራ ንምክፋል ናብ ቱርኪ ኣትዮም ኣለዉ። ቱርኪ ነዚ ሓባራዊ ምርመራ ተሰማሚዓትሉ ከም ዘላ ናይ ፕረሲደንት ቱርኪ፡ ኤርዶጋን፡ ቃል ኣቐባሊ ሓቢሩ ኣሎ።

ኣይተራእየን

ካሾጊ ናይ መርዓ ሰነድ ንምርካብ እዩ ናብቲ ኣብ ኢስታንቡል ዚርከብ ቤትጽሕፈት ቆንስል ዝኣተወ። ብድሕሪኡ ግን ኣይተራእየአን። ስዑዲ ዓረብ፡ ንሱ ሰነዳቱ ሒዙ ካብቲ ቤትጽሕፈት ከም ዝወጸ ትገልጽ። ይኹንምበር፡ ነዚ ዘርእይ ናይ ሓለዋ ስእሊ ኣይተረኽበን።

ቱርኪ ግን እቲ ቅትለት በቶም ካብ ስዑዲ ነዚ ኪፍጽሙ ኢሎም ዝመጹ ሰባት እዩ ተኻዪዱ ትብል። ብመሰረት ማዕከናት ቱርኪ፡ እቲ ሬሳ ናብ ስዑዲ ዓረብ እዩ ተወሲዱ።

ወኪል ቱርኪ ብዛዕባዚ ጉዳይ ምስ ዋሺንግቶን ፖስት ተዘራሪቡ፡ ነቲ ቪደዮ እውን ኣቕሪቡዎ፡ ግን ናይ ኣመሪካ ጸጥታ መርሚሩዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንጹር ኣይኮነን።

110 ቢልዮን ዶላር

ምዕራባውያን ሃገራት ናይ ስዑዲ ነዳድን ልሙዕ ንግድን ይደልያ እየን፡ ስለዚ ብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራት ነቲ ጉዳይ ከም ቱርኪ ገይረን ኣይነቐፈኦን።

ፕረሲደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሽሕኳ ነቲ ጉዳይ ኪምርመር እንተ ደለዮ፡ ምስ ስዑዲ ዓረብ ዘለዎ ዝምድና ግን ኪበትኮ ኣይደለየን።

ኣብ ሃገርና ስራሕ ዚኸፍት ናይ 110 ቢልዮን ወትሃደራዊ መሳርያታት ነምርት ኢና። ነዚ ደው ከብሎ ኣይደልን፡ ከመይሲ እቲ ገንዘብ ናብ ሩስያ ወይ ናብ ቻይና ኢዩ ኪግዕዝ፡ ይብል ትራምፕ።

ድሕረ-ባይታ፥ ጃማል ካሾጊ

TT

ጀማል ካሾጊ መስከረም 2017 እዩ ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ኣመሪካ ዝገዓዘ፡ ማለት ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ኣልጋወራሽ ምስ ኮነ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ። ኣብቲ ግዜቲ ብዙሓትግ ተቓወምቲ ተኣሲሮም፡ ምሁራንን ሰበኽቲ ሃይማኖት ምስልምናን።

ካሾጊ ኣቐዲሙ ኣብቲ ሓያት ዚብሃል በቲ ስዑዳዊ ልኡል ካልድ ቢን ሱልጣን ኣል ሳውድ ዚውነን፡ ብምኽንያት ንኣሕዋት ሙስሊም ወይ ሙስሊም ብራዘርሁድ ድማ ተወጊዙ ዝነበረ ጋዜጣ ጽሒፉ ነይሩ። ስዑዲ ዓረብ ነቲ ጉጀለ ከም ሽብርተኛ ገይሩ እዩ ዚወስዶ።

ካሾጊ ድሕሪ ናብ ኣመሪካ ምግዓዙ ንስዑዲ ዓረብ በቲ ኣብ የመን እተካይዶ ዘላ ውግእ ነቒፉዋ ነይሩ። ነቲ ኣብ ስዑዲ ሰፊኑ ዘሎ ናይ ራዕዲ ሃዋህው እውን ኣቃሊዑዎ እዩ።

Källa: AFP


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com