Monday , May 20 2024

ሂልተ(Hylte) ዝበዝሑ ስደተኛታት ዘለዉዋ ምምሕዳር ከተማ ሽወደን ተባሂሉ።

ኢንዱስትራዊት ምምሕዳር ሂልተ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሽወደን ትርከብ ኮይና እታ ዝበዝሕ ስደተኛታት ዝሰፈሩላ ሙዃና ተሓቢሩ። ህላዌ ብዝሒ ስደተኛታት ኣብ ምዕባለ ኣዎንታዊ ረቛሒ ተጌሩ ከም ዝረአ እውን ኣብ ምምሕዳር ሃላንድ ሂልተ ዝተገብረ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ኣብዚ እዋን ኣብ ምምሕዳር ሂልት 11 ሽሕ ዝበጽሕ ስደተኛ ዝኣኽሉ ተቐማጦ ከምዝለዋ ተፈሊጡ ኣሎ ። እዛ ከተማ ሓደ ከም ፋብሪካ ወረቐትን ናይ ቮሊቦል ጋንታን ዘለዋ ኮይነን፣ ብዙሓት ስደተኛታት ዝሰርሑለን ኢንዱስትሪታት ከም ዘለዋ ውን ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ቊጽሪ ስደተኛታት ብ 12 ሚእታዊት ምውሳዂን 25 ሚእታዊት ቊጽሪ ነባሮ ከም ዝኾኑን ድማ ተመልኪቱ’ሎ። እዛ ከተማ ኣብ 2015 ዝነበረ ቅልውላው ስደተኛትት ሰጊራ ብዙሓት እናናበረት ትቅጽል ኣላ። ከንቲባ ፑሪ ቅድሚ ቅልውላው ቊጽሪ ስደተኛታት ተመሃሮ ብሚእታዊት 17% ምንባሩን ሕጂ 41 % በጺሑ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com