Saturday , May 18 2024
A woman is administered a Moderna COVD-19 vaccination at the Gaube comprehensive primary health care center in Kuje, Nigeria, Wednesday, Sept. 1, 2021. Nigeria has begun the second rollout of COVID-19 vaccines as it aims to protect its population of more than 200 million amid an infection surge in a third wave of the pandemic. (AP Photo/Gbemiga Olamikan) NIN106

ሃብታማት ሃገራት: 1.2 ቢልዮን ዶዛት ተረፍ ክታበት ኮቪድ ይህልወን 

ኣብ ምውዳእ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት: ሃብታማት ሃገራት: ናይ 1.2 ቢልዮን ዶዛት ዝኸውን ተረፍ ክታበት ኮቪድ ክህልወን እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ተረፍ ዛጊት ንድኻታት ሃገራት ብመልክዕ ረድኤት ክወሃብ ኣይተመደበን ኣሎ ክብል ጸብጻብ ኣልጀዚራ ኣመልኪቱ።

ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዘሎ መጠን ክታበት: ኣብዚ ወርሒ: 500 ሚልዮን ዶዛት ከም ዝበጽሐ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ: 360 ሚልዮን ዝኸውን ዛጊት ንረድኤት ዘይተመደበ ተረፍ ክታበት ተኸዚኑ ምህላዉ ወሲኹ ኣመልኪቱ። በዚ መሰረት ክሳብ ምውዳእ 2021 ካብዘን ሃብታማት ሃገራት ክሳብ 1.2 ቢልዮን ዝኸውን ዶዛት ተረፍ ክህልወን እዩ።

ኣብ መንጐ ሃገራት ዘሎ ዘይምምጥጣን ዶዛት ክታበት: ብብዙሓት ሸነኻት ነቐፌታ ከስዕብ ጸኒሑ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ነበር: ጎርደን ብራውን: ሃብታማት ሃገራት: ንተረፍ ክታበት ኣብ ክንዲ ንድኻታት ሃገራት ዝህባ ይኽዝናኦ ምህላወን ዓብዪ ሞራላዊ ውድቀት እዩ ክብል ቅሬታኡ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com