Friday , May 17 2024

ሃገረ ኖርወይ፡ ኣብ ስኩተር ምጉርባት ትእግድ

 

ካብ 18 ግንቦት ጀምሩ፡ ሃገረ ኖርወይ፡ ኣብ ስኩተር ምጉርባት ብሕጊ ኩልኩልን ምዃኑ ከምዘፍለጠትን ነዚ ሕጊ ዝጠሓሰ ሰብ ድማ ክሳብ 3 ሽሕ ክሩን ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ከምዝብየነሉ ምዃኑ ኣፍሊጣ ኣላ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ህቡብነት ስኩተራት፡ እናለዓለ ኣብ ዝመጻሉ ዘሎ እዋን፡ ንኣገባብ ኣጠቓቕመአን ብዝምልከት ግን ዓበይቲ ብድሆታት የጋጥሙ ኣለዉ ክብል ሚኒስተር መጓዓዝያ ኖርወይ፡ ክኑት ኣርሊድ ሃራይደ፡ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ ኦስሎ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ጥራይ፡ ብሓደጋ ስኩተር ዝተጎድኡ ሰባት ክሳብ 131 በጺሖም ምህላዎም ጸብጻባት ተኸታተልቲ ሓደጋታት ይሕብሩ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com