Saturday , May 18 2024
A girl gets a dose of vaccine for COVID-19 in Havana, Cuba (AP Photo/Ramon Espinosa) XRE102

ሃገረ ኩባ፡ ህጻናት ምኽታብ ጀሚራ

ሃገረ ኩባ፡ ነቶም ካብ ክልተ ዓመት ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ፡ ባዕላ ብዘፍረየቶም፡ ኣብዳላን ሶበርናን ዝተባህሉ ክታበታት ተጠቂማ ክትከትቦም ጀሚራ ከምዘላ ሓቢራ፡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

መብዛሕትአን ቤት ትምህርታት፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣፍደጊአን ዓጽየን፡ ናይ ርሕቀት ኣገባብ ኣመሃህራ ክጥቀማ ምጽነሐን ይፍለጥ። ኣብዚ ዓመት፡ ተማሃሮ ናብ ክፍሎም ዝምለስሉ እዋን፡ ካብ ዝቕጽል ሰሙን ዝጅምር ብምዃኑ፡ ኩሎም ተማሃሮ ክታበቶም ክጅምሩ እዮም ክብል እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።

ብሰንኪ ሓድሽ ጅር፡ ደልታ፡ ኣብ ሃገረ ኩባ፡ ልዑል ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ተራእዩ እዩ። ኣብታ ሃገር ካብ ዘጋጠመ መጠን ሞት ግዳያት ሕማም ኮቪድ ዝኾኑ 5500 ሰባት፡ ኣስታት ፍርቂ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ዝሞቱ ምንባሮም ጸብጻባት ጥዕና’ታ ሃገር ይሕብሩ። ብተወሳኺ፡ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝተለኽፉ፡ ሓደ ሲሶ ናይቲ ጠቕላላ ቁጽሪ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኩሎም ህጻናት ክታበቶም ምስ ወድኡ፡ ኣብያተ ትምህርታት፡ ብዘገምታ፡ ኣፍደገአን ንክኸፍታ፡ መንግስቲ ኩባ፡ መደብ ሒዙ ከምዘሎ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com