Friday , May 17 2024
a train as it arrives at Metro Center station (AP Photo/Patrick Semansky) WX301

ሃገረ ዴኒማርክ፡ ማስክ ምጥቃም ግዴታ ከምዘይኮነ ኣዊጃ

ህዝባውያን መጓዓዝያታት ዝጥቀሙ ተሳፈርቲ፡ ማስክ ንኽወድዩ ዝግድድ ዝነበረ መምርሒታት በዓል መዚ ጥዕና ዴኒማርክ፡ ከምዝተላዕለ፡ ሃገረ ዴኒማርክ ኣዊጃ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ዝበዝሑ ዜጋታት ዴኒማርክ፡ ክታበት ዝወሰዱ ብምዃኖም፡ ቀስ እናበልና፡ ናብቲ ንቡር መዓልታዊ ሂወትና ንምለሰሉ መንገዲ ነምርሕ ኣለና ክብል ሚኒስተር መጓዓዝያ’ታ ሃገር፡ ቤኒ ኢንግልብሬኽት፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ ህዝባውያን መጓዓዝያታት፡ ማስክ ናይ ምውዳይ መምርሒ ንኽወድቅ ተሓሲቡ ዝነበረ ዕለት 01 መስከረም’ኳ እንተነበረ፡ መስርሕ ክታበት ብጽቡቕ ይሰላሰል ብምህላዉ፡ እቲ ዕለት ካብ 14 ነሓሰ ከምዝኸውን ተገይሩ ምህላዉ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ ነፈርትን መዓርፎ ነፈርትን ግን፡ መምርሒታት ማስክ ምውዳይ፡ ይቕጽል ምህላዉ ብምውሳኽ ገሊጹ።

ካብ ዓሰርተ ዜጋታት ዴኒማርክ፡ ልዕሊ 6 ሰባት ዝተኸትቡ ምኳኖም እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com