Saturday , May 18 2024
Nightclubs in Denmark no longer need to request a corona pass at the door. Image from Nørregade in Copenhagen earlier in September. (Olafur Steinar Gestsson/Ritzau Scanpix via AP) COP200

ሃገረ ዴኒማርክ፡ ናይ መጨረሽታ ቀይዲ ኮሮና ዝነበረ ሕጊ፡ ኣልዒላ

ብሰልፊ ሶሻል ዲሞክራት ዝምራሕ መንግስቲ ዴኒማርክ፡ ካብ ሎሚ ዓርቢ ጀሚሩ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣንቢርዎም ዝነበረ ቀይድታት ኮቪድ-19 ንብምልኦም ከምዘልዓሎም ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ መንግስቲ ዴኒማርክ፡ ንኹሎም ቀይድታት ኮቪድ-19 ከልዕሎም ምዃኑ ሓቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር። ካብ ሎሚ ጀሚሩ ድማ፡ ሕማም ኮቪድ-19፡ ከም ሓደገኛ ማሕበራዊ ሕማም ካብ ምዃን ተሪፉ ኣሎ ክብል ገሊጹ።

እዚ ማለት ድማ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ፡ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር፡ ቀይድታት ከመሓላልፍ ከምዘይክእል ዝሕብርን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ስፖርታዊ፡ ባህላዊ ንጥፈታት ኮነ ለይታዊ ትልሂታት ቤት መግብታት፡ ዝሓተኦ ዝነበራ ወርቐት ኮቪድ-19 ካብ ምሕታት ደው ክብላ ምዃነን ዝሕብር እዩ።

ይኹን እምበር፡ ነቶም ካብ ወጻኢ ናብ ሃገረ ዴኒማርክ ዝኣትዉ ገያሾ ዝምልከት ቀይድታት ኮቪድ-19፡ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ ምዃኖም፡ መንግስቲ ዴኒማርክ፡ ገሊጹ።

ብተወሳኺ ድማ፡ ምንጪ ለበዳ ንምፍላጥ ዝካየዱ ምክትታላት ውን ቀጻልቲ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

ኩነታት ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ዝሓሸ እኳ እንተሃለወ፡ ለበዳ ኮሮና ግን ጌና ስለዘይተኣልየ፡ ሰባት፡ ዝግባእ ጥንቃቐታት ከዘውትሩ ይግባእ ክብል ሚኒስተር ጥዕና ዴኒማርክ፡ ማግኑስ ሁንኬ ተላብዩ።

ኣብ ቀጻሊ ከጓንፉና ንዝኽኡሉ ለበዳታት፡ መንግስቲ ዴኒማርክ፡ ተቐላጢፉ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝግባእ፡ ማግኑስ፡ ብምውሳኽ ተማሕጺኑ።

ሃገረ ዴኒማርክ፡ ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ መጠን ክታበት ኮቪድ-19፡ ዘካየዳ ሃገራት ምዃና ይፍለጥ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com