Sunday , May 19 2024
Muslim women attend a protest outside parliament in Copenhagen, Denmark Thursday Oct. 23, 2003. Several hundred immigrants gathered to protest against Denmark's increasingly stringent immigration laws, which are among the toughest in Europe. (AP Photo/John McConnico)

ሃገረ ዴንማርክ: ሕቶ ዕቚባ ሶርያውያን: ትነጽግ

ዝሓለፈ ወርሒ: ሃገረ ዴንማርክ: ፍቓድ መንበሪ ናይ 200 ሶርያውያን ብምስራዛ: ካብ ሓገግቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት: ኤጀንሲ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ጒጅለ ሰብኣዊ መሰላትን ኲነኔ ከም ዝበጽሓ ተፈሊጡ።

ኣብዚ እዋን: ገለ ክፋል ሶርያ ካብ ዕግርግር ናጻ ስለዝኾነ ሓተትቲ ዕቚባ ናብ ዓዶም ክምለሱ ይኽእሉ እዮም: ክብሉ ሰብመዚ ኮፐንሃገን ገሊጾም ኣለዉ።

ነዚ ውሳነ ንምቅዋም ኣክቲቪስታትን ጒጅለታት ማሕበረ ኮምን ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ዴንማርክ ሰልፊ ተቓውሞ ክገብሩ እዮም ተባሂሉ’ሎ።

ኣብ ቀረባ ዓመታት ዴንማርክ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ክተርር ምግባራ ዝፍለጥ እዩ።

ብዘይካ’ዚ: ዴንማርክ ምስ ሩዋንዳ ስምምዕ ኢሚግሬሽን ምኽታማን እዚ ምናልባት ኣብታ ሃገር ትካል ምጽራይ መስርሕ ኢሚግሬሽን ንምኽፋት ዝዓለመ ክኸውን ከም ዝኽእልን ገለ ግምታት ኣሎ ተባሂሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com