Friday , May 17 2024

ሃገረ ጀርመን፡ ኣብ ዶባት ዝካይድ ምቁጽጻር ተትርር

ናብ ሃገረ ጀርመን ዝኣትዉ በጻሕቲ፡ ኣሉታዊ ውጽኢት ኮቪድ-19፡ ዝሓዙ ምዃኖም ንምርግጋጽ ተባሂሉ፡ እታ ሃገር፡ ንኣብ ዶባታ ዝካየዱ ምክትታላት ከም ዘትረረት፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉድያት፡ ሆርስት ሲሆቨር (Horst Seehofer) ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ።

ካብ ፖላንድ፡ ፈረንሳይ፡ ዴኒማርክ ይኹን ካብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ዝመጹ በጻሕቲ ብዘይ ኣፋላላይ፡ ኣብ ዶባት ዝካይድ ምቁጽጻር ዝምልከቶም ምዃኑ ፡ ሲሆቨር፡ ብምውሳኽ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም በጻሕቲ ዝካየድ፡ ብዛዕባ ኣሉታዊ ውጽኢት ኮቪድ-19 ዝምልከት ምቁጽጻር፡ ኣብ ውሽጢ መሬት ጀርመን ዝካየድ ስለዝኾነ፡ ንበጻሕቲ፡ ናብቲ ዝመጽዎ ሃገር ንኸይምለሱ፡ ውሕስነት ዝኾኖም እዩ። ይኹን እምበር፡ እቶም ኣሉታዊ ውጽኢት ኮቪድ-19፡ ዘየቕረቡ ሰባት፡ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክብየነሎም ምዃኑ፡ እቲ ሚኒስተር ብምውሳኽ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com