Friday , May 17 2024
Chief virologist Christian Drosten warns of a new emergency in Germany. (Fabrizio Bensch/Pool via AP) PRO107

ሃገረ ጀርመን . . . ክብረ ወሰን ዝለዓለ መጠን መልከፍቲ ተሰይሩ

ለበዳ ኮቪድ-19 ካብ ዝጅምር፡ ሃገረ ጀርመን፡ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ዕለት 5 ጥቅምቲ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብ ዘጋጠሙ ብዝሒ መልከፍቲ ኮቪድ፡ ኣመዝጊባ ምንባራ ይዝከር። ትማሊ ድማ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ፡ 40 ሽሕ ሰባት፡ ብኮቪድ ከምዝተለኽፉ ብምሕባር፡ እቲ ዝነበረ ክብረ ወሰን፡ ምስባሩ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፋ ሸውዓተ መዓልታት፡ ሃገረ ጀርመን፡ ኣብ መንጎ 100 ሽሕ፡ 232 ሰባት፡ ብኮቪድ ምልካፎም ይፍለጥ።

ኣብ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኢና ዘለና ክብል ተመራማሪ ስነ ቫይረስ፡ ክሪስትያን ድሮስተን፡ ነቲ ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዘሎ ብዝሒ ብምጥቃስ ገሊጹ።

ብርክት ዝበላ ሆስፒታላት ጀርመን፡ ዓራውተን ብሕሙማት ከምዝመለአን፡ እቲ ኩነታት ልዕሊ ዓቕመን ይኸውን ከምዘሎን፡ መጠንቀቕት ክህባ ጀሚረን ከምዘለዋ ተገሊጹ። መብዛሕትኦም ብሕማም ኮቪድ-19 ተለኺፎም ዝመጹ ዘለዉ ሕሙማት፡ እቶም ዘይተኸትቡ ምዃኖም፡ ብተወሳኺ ገሊጸን።

ካብ መላእ ህዝቢ ጀርመን፡ 67% ጥራይ ምሉእ ክታበት ዝወሰዱ እዮም። መስርሕ ክታበት ብናህሪ ክውስኽ እንተዘይክኢሉ፡ ጀርመን፡ ከም እንደገና ዕጽዋ ከተካይድ ክትግደድ እያ ክብል፡ ድሮስተን፡ ገሊጹ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com