Friday , May 17 2024
Tocco/LaPresse via AP) ORI104

ሃገረ ጣልያን፡ ሓገዝ ሓቲታ

ትማሊ ሰንበት፡ ኣብ ሳርዲንያ፡ ዓዲ ጥልያን፡ ዝተኸስተ ባርዕ ሓዊ፡ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እናኾነ ብምምጽኡ፡ መንግስቲ ጥልያን፡ ካብ ካልኦት ኤውሮጳውያን ሃገራት፡ ናይ መጥፋእቲ ሓዊ ነፈርቲ፡ ሓገዝ ከምዝሓተተት ሮይተርስ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ብሰንኪ እቲ ዝተኸስተ ባርዕ፡ 400 ሰባት ካብ ኣባይቶም ክለቁ’ኳ እንተ ተገደዱ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝወረደ ሓደጋ ግን ክሳብ ሕጂ ከምዘየለ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።

ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ባርዕ፡ ካብ ሰማያት ንምጥፍኡ ዝሕግዛ ነፈርቲ፡ ካብ ዝኾነት ሃገር እንተመጺኣትና፡ ሃንጎፋይ ኢልና ክንቅበል ኢና ክብል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ዓዲ ጥልያን፡ ሉዊጂ ዲ ማዮ፡ ኣብ ውልቃዊ ናይ ፌስ ቡክ ሒሳቡ ኣቃሊሑ።

ኣብ ምቅሃም ናይቲ ባርዕ፡ ክሳብ ሕጂ ሸውዓተ ነፈርቲ ይሳተፋ ከምዘለዋን፡ ካብ ሃገረ ፈረንሳይ ውን ክልተ ነፈርቲ ክመጻ ትጽቢት ከምዘሎን እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com