Friday , May 17 2024
A healthcare worker prepares a dose of the Moderna COVID-19 vaccine (AP Photo/Matias Delacroix) XMD103

ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ዝለዓለ መጠን ክታበት ኣመዝጊበን

መጠን ክትባት ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ምስቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝተመዝገበ ቁጽሪ ክነጻጸር እንከሎ፡ ዝለዓለ ብምዃኑ ሓለፍቲ እቲ ሕብረት ሓጎሶም ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ከምቲ ዝተመባጻዕናዮ፡ ኣተግቢርናዮ ኣለና። ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብምቕዳም፡ ዝበዝሐ መጠን ቀዳማይ እብረ ክታበት ዘካየደት ኣህጉር ክትከውን ከምዝኸኣለት ክብል፡ ክታበት ንምውሓስ ዝተሮቕሐት ሓይሊ ዕማም ዝመርሕ ዘሎ ኮሚሽነር ውሽጣዊ ዕድጊ እቲ ሕብረት፡ ቴሪ ብሬቶን፡ ኣብ ውልቃዊ ናይ ትዊተር ሒሳቡ ገሊጹ።

ብመሰረት ጸብጻባት ዓለማዊ ሰነድ ስታቲስቲክስ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ 55.5% ካብ ዜጋታቱ ቀዳማይ እብረ ክታበት ክኽተቡ እንከለዉ፡ ኣሜርካ ድማ ን 55.4% ካብ ዜጋታታ ምኽታባ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com