Sunday , May 19 2024
Credit: Pontus Lundahl/TT

ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ንኣውስትራልያ ብምስዓር ተዓዋቲት መዳልያ ነሓስ ኮይና።

ሽወደን ንውድድር ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ፊፋ ብልዑል ደረጃ ዛዚማ፡፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ሳልሳይ ደረጃ ን
ኣአንጋዲት ጋንታ ኣውስትራልያ 2 ብ 0 ብምስዓር፡ ተዓዋቲት ነሓስ ሜዳልያ ክይከውን ክኢላ’ላ። ቅድሚ ዕረፍቲ፥ ፍሪዶሊና ሮልፎ
ብዘመዝገበታ ፍጹም ቅላዕ ሽወደን ሓደ ብባዶ ክትመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፥ ኣብ ካልኣይ እብረ ኮሶቫረ ኣስላኒ ብዘመዝገበታ
ካልአይቲ ሸቶ፡ ሽወደን ንኻልኣይ ግዜ ብ ተኸታታሊ 3ይ ደረጃ ዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ ሒዛ’ላ።
"ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ሒዝና ኢና ወጺእና፡ ብዘለና ሓይሊ ተጻዊትና ከም ውጽኢቱ ኸኣ መዳልያ ምሽላምና ኣዝዩ ደስ ዝብል'ዩ"
ክትብል ሓለቓ ጋንታ ሽወደን ኣስላኒ ድሕሪ ዓወት ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ገሊጻ’ላ።

 

Credit: Pontus Lundahl/TT

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com