Monday , May 20 2024
Credit: Ida Cliffordson Weicht/Sveriges Radio, Marcus Ericsson/TT och Privat.

ሃገራዊ ቦርድ ትካላዊ ክንክን ሽወደን፥ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ጸጥታ ውጥናት ከም ዘይስዕብ ተቓሊዑ።

ሃገራዊ ቦርድ ትካላዊ ክንክን ሽወደን፥ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ጸጥታ ውጥናት ከም ዘየማልአ ተገሊጹ። እዚ ዝተባህለ፥ ኣብ ቀረባ
እዋን ኣብ ገለ ውሑስ ኣሃዱታት ኮተቴ እቲ ትካል ኣብ ዘጋጠመ ህድማታትን ካልኦት ፍጻሜታት ስዒቡ ምዃኑ ኣብ ዮተቦሪ ዝርከብ
ናይ ውሽጢ ዓዲ ቻነል ሬድዮ ሽወደንን ዜና ሬድዮ ሽወደንን ዘካየድዎ ሓባራዊ መርመራ ኣቃሊዑ።
"ናይ ድሕነት ገምጋም ምስ ኣቐመጥካ፡ ኣብኡ ምጽናዕ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ" ይብል ዳይረክተር ጸጥታ እቲ ትካል ፒተር ቮልቤ። እዚ
ትካል ካብ 15-17 ንዝዕድሜኦምን ከቢድ ገበን ዝፈጸሙን እንተኾነ ግና ብምኽንያት ዕድሜኦም ናብ ቤት ማእሰርቲ ክወርዱ
ንዘይክእሉ ኮተቴ ዘድሊ ክንክን ዝህብ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። እዞም ኮተቴ ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ክትትል ክጸንሑ እናተገብኦም፥
ብሰንኪ ልሕሉሕ ኣተገባብራ እዚ ክካየድ ከም ዘይጸንሐ ሬድዮ ሽወደን ኣጣሊላ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com