Sunday , May 19 2024

ሃገራዊ ኲባንያ ፖስታ ሽወደን ፖስትኖርድ ሓደጋ ክሳራ የንጸላልዎ’ሎ ተባሂሉ።

ስቶክሆልም፡—- መንግስቲ ሽወደን ናይ መድሕን ጥርኑፍ ውጥን እንተ ዘይመዲብሉ ኲባንያ ፖስታ” ፖስትኖርድ” ብምኽንያት ንድየት ወይ ጥፈሻ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ከም ዝኽእል ተገሊጹ። ኣደ መንበር እቲ ኲባንያ ኣኒማሪ ጋርድሾል እዚ ሓበሬታ ሓቂ ምዃኑ እኳ መረጋገጺ እንተሃበት ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቘጢባ’ላ። ገርድሹል እዚ ኲባንያ ምስ ብድሆታት ዲጂታላዊ ቴክኖሎጂ ብዝምክት ኣገባብ ንኣሰራርሓኡ ክቕይር ከም ዝግባኦ ድማ ኣመልኪት።

ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ እዚ ኲባንያ ናይ መልእኽቲ ሳናዱቕ ዳውንሎድ ምግባር ከቋርጽ ምዃኑ ምውሳኑ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ 2018 እዚ ኲባንያ ሕግታትን ኣገባብን ኣሰራርሓኡ ብምቕያር 855 ሚልዮን ክሮን ምቚጣቡ ገሊጹ ኔሩ። ብመሰረት ሕጊ ሽወደን ሃገራዊ ኲባንያ ፖስታ ዕሹግ ኣቕሑን ጶስጣን ኣብ ሓሙሽተ መዓልታት ስራሕ ናብ መላእ መሬት ሽወደን ከም ዝበጽሕ ምግባር ቀንዲ ካብ ዕማማቱ ኮይኑ ምጽንሑ ድማ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com