Saturday , May 18 2024

ሄኖግን ኣብርሃም ኣብ ዝደሞቅሉ ጸወታ ክለብ ኣይኮ ነጥቢ ትማቀል

ክለብ ኣይኮ ኣብ መስመር ምጥቃዕ ብ ክልተ ኤርትራውያን ዝመበቖሎም ሄኖግ ጎይቶምን ጳውሎስ ኣብርሃምን ተመሪሓ ምስ ክለብ ቫርበርይ ቦልስ ኣብ ዝገብረቶ ጸወታ፣ ክልትኦም ተጻወቲ ብዘመዝገብወን ሸቶታት እካ መሪሓ ተወዓለት ኣብ ምበል 90 ደቂቅ ክለብ ቫርበርይ ብዝርከበታ ፍጹም ቅላዕ ነጥቢ ክትማቀል ተገዲዳ።

ኣብዚ ጸወታ ሄኖግ ኣብ መበል  ዝወዓለ 12 ደቂቅ መርሓ እካ ተነበረት ድሒራ ብዝተመዝገበታ ሸቶ ብምዕርራያ፣ መመሊሱ ብቅዓቱ እንዳ ኣመስከረ ዝደምቕ ዘሎ ፓውሎስ ኣብ መበል 75 ደቂቃ ብዘመዝገባ ሸቶ ዳግማይ መሪሓ እካ እንተነበረት ክትዕቅቦ ብዘይ ምኽኣላ ግን ነጥቢ ክትማቀል ተገዲዳ።

በዚ ናይ ሎሚ ውጽኢት ብዝሓመቀ ኣጀማምራ ትጉዓዝ ዘላ ክለብ ኣይኮ ካብ መራሒት ዘሎ ክለብ ኖርሾቢንግ ብ 8 ነጥቢ ድሒራ ብ 12 ነጥቢ ኣብ ትሽዓይ ደርጃ ትርከብ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ጸወታ ን ካልእ ኤርትራዊ ናሆም ግርማይ ሓቒፋ ዘላ ክለብ ሲሩስ ን መራሒት ናይዚ ውድድር 4 ብ 2 ብምስዓር ብ 15 ነጥቢ ሳልሳይ ደርጃ ብምሓዝ ምስ ቀዳሞት ሰለስተ ብሙዃን ትመርሕ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com