Friday , May 17 2024
Women stand in a queue to get tested for COVID-19 in New Delhi, India, Friday, July 2, 2021. India crosses a grim mark of 400,000 people lost to the coronavirus, (AP Photo/Manish Swarup) XMS101

ህንዲ፡ ግዳያት ሞት ኮቪድ፡ ልዕሊ 400 ሽሕ በጺሑ

ሃገረ ህንዲ፡ ዜጋታታ ክተከትብ ዳምዳም ኣብ እትብለሉ ዘላ እዋን፡ ግዳያት ሞት ኮቪድ ልዕሊ 400 ሽሕ ምሕላፉ ይግለጽ ኣሎ።

ዕላዊ መዝገብ መወትቲ ምስ ዘይምህላዉ፡ ቊጽሪ መወትቲ፡ ካብቲ እተገልጸ ኣጸቢቑ ክልዕል ከም ዝኽእል ክኢላታት ይገልጹ። ኣብ ህንዲ፡ ክሳብ 30 ሚልዮን ሰባት በዚ ሕማም ከም እተለኽፉ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብ ቀረባ እዋናት፡ መዓልታዊ ዝምዝገቡ ሕሙማት፡ ካብ 400 ሽሕ ናብ 40 ሽሕ ምንካዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ድማ እታ ሃገር ብዝተኸተለቶ ጽንዕ ዝበለ ዕጽዋ ምዃኑ ተመልኪቱ። እንተኾነ ግና ሕጂ’ውን ሳልሳይ ማዕበል ኮቪድ ክኽሰት ከም ዝኽእል ካኢላታት የጠንቅቑ ኣለዉ። ህንዲ ንኣመሪካን ብራዚልን ስዒባ ብሳልሳይ ደረጃ ዝበዝሑ ግዳያት ኮቪድ እተራእየላ ዓዲ እያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com