Saturday , May 18 2024

ህንዲ፥ ብሰንኪ ምብካል ኣየር ከተማ ደልሂ: ኣብያተ ትምህርቲ ትዓጹ

ሰብመዚ ርእሰ ከተማ ህንዲ–ደልሂ ብሰንኪ እናኸፍአ ዝመጸ ብከላ ኣየር ኣብያተ ትምህርቲን ኮሌጃትን ክዓጽዉ ምውሳኖም ገሊጾም።

ብዘይካዚ ክሳብ ዕለት 21 ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ስርሓት ህንጻ ከም እተኸልከለ ተሓቢሩ። ኣብ ጽላታት መጓዓዝያን ምክልኻል ሃገርን ዝተዋፈሩ ናይ ህንጻ ስርሓት ገዲፍካ ኣብ ካልኦት ደው ክብል ተጌሩ’ሎ።

ኣብታ ከተማ ካብ ዝዓያ 11 ብከሰል ዝሰርሓ ትካላት ጸዓት እተን ሓሙሽተ ጥራይ ክዓያ ተፈቒዱለን ኣሎ።

ካብ ፈስቲቫል ዲዋሊ ንደሓር ከተማ ደልሂ ብግመ ብካሊ ኣየር ተኸዲና ደቢና ምህላዋ ጸብጻባት የመልክቱ።

እዚ በካሊ ጋዝ ስርዓተ ምስትንፋስ ሳናቡእ ብምዕጋት ጥዕናዊ ሓደጋ ከም ዘስዕብ ጸብጻባት ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com