Saturday , May 18 2024
People wait for their relatives and friends to come out of the Indira Gandhi International airport, in New Delhi (AP Photo/Rishi Lekhi) AGR102

ህንዲ … 13 ኣጋይሽ ካብ መወሸቢ ቦታ ሃዲሞም

ካብ ኢጣልያ ናብ ህንዳዊት ከተማ ኣምሪስታር ዝኣተዉን ቫይረስ ኦሚክሮን ኣብ ደሞም ከም ዘለዎም እተፈልጡን 13 ሰባት ከይውሸቡ ብምባል ምህዳሞም ተፈሊጡ።

ኣብታ ካብ ሚላኖ ናብ ህንዲ 125 ተጓዕዝቲ ሒዛ ዝኣተወት ነፋሪት ዝመጹ ኣጋይሽ፡ እቶም 9፡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ከምልጡ እንከለዉ እቶም ኣርባዕተ ድማ ካብ ሆስፒታል እዮም ተሰዊሮም ክብል በዓልመዚ እታ ከተማ ንBBC ሓቢሩ’ሎ።

ፖሊስ፡ ኣብ ልዕሊ እዞም ሰባት ክሲ ክኸፍቱ ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ። ህንዲ ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ዘጋጥመን ዘለዋ ሃገራት ኮይና፡ ሎሚ ዓርቢ ጥራይ 100 ሽሕ ሓደስቲ ሕሙማት ከም እትረኽቡ ካብታ ሃገር ዝወጹ ጸብጻባት ኣመልኪቶም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com