Friday , May 17 2024
Journalists light candles and pay tribute to Reuters photographer Danish Siddiqui in Mumbai, India, (AP Photo/Rajanish kakade) RKD102

ህንዳዊ ሳኣላይ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ተቐቲሉ

ተሸላሚ ፑሊትዘር ዝኾነ ህንዳዊ፡ ደኒሽ ሲዲቂ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ከም እተቐትለ ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ገሊጹ። ወዲ 41 ዓለት ደኒሽ ንዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ሰኣላይ ሮይተርስ ምንባሩ ዝገለጸ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዜናዊ ስእሊታት ከዳሉ ኣብ ተልእኾ እናህለወ ምሟቱ ኣረጋጊጹ። ንሱ ጥቓ ዶብ ፓኪስታን ኣብ እትርከብ ዓዲ ብጒጅለ ጣሊባን ብዝተገብረ ድብያ እዩ ተቐቲሉ። ኣብቲ መጥቃዕቲ ክንደይ ካልኦት ሰባት ምሟቶም ኣይተሓበረን። ኣብ ሙምባይ ኮይኑ ንሮይተርስ ስእሊታት ብምብርካት ኣብ 2018 ን ሽልማት ፑሊትዘር ዝበቕዐ ደኒሽ ኣብ ምያንማር ኣብ ልዕሊ ኣስላም ሮሂንጋያ ዝተኻየደ ጨፍጫፍን ኣብ ህንዲ ብኮቪድ ዝተኸስተ ህልቂትን ብስእሊ ዝሰነደ ብሉጽ ጋዜጠኛ ስእሊ እዩ ኔሩ። ኣምባሳደር ህንዲ ብሞት ደኒሽ ኣብ ከቢድ ሓዘን ምህላዉ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com