Friday , May 17 2024
Save the Children calls on the Migration Agency to grant residence permits to the afghan asylum seekers in Sweden (AP Photo/Rahmat Gul) XRG504

ህጻናት ኣድሕን: ኣፍጋናውያን መንበሪ ፍቓድ ይወሃቦም ክብል ይጣበቕ

ኤጀንሲ ስደተኛታት: ኣብ ሽወደን ንዝርከቡ ኣፍጋናውያን ሓተትቲ ዕቚባ ፍቓድ መንበሪ ክወሃቦም ከም ዝግባእ: ሴቭ ዘ ቺልድረን (ህጻናት ኣድሕን) ዝተባለ ትካል ተማሕጺኑ። ጣሊባን ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ደቀንስትዮን ከቢድ ሃስያ ዘውርድ ምዃኑ ብምልዓል እዩ እቲ ትካል ነዚ ሕቶኡ ኣቕሪቡ ዘሎ። “ኤጀንሲ ስደተኛታት ንጒዳይ ሓተትቲ ዕቚባ ኣፍጋኒስታን ደጊሙ ክምርምሮን ብመሰረት ኣዋጅ ጓኖት ናይ ዕቚባ መሰልን መንበሪን ክህቦም ይግባእ” ክብል እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቱ። ድሕሪ ምምላስ ጣሊባን ሽወደን ሕቶ ዕቚባኦም ዝተነጽገ ኣፍጋናውያን ናብ ዓዶም ምስጓጒ ደው ምባላን ኣብ ጒዳይ ሕቶ ዕቚባ ኣፍጋናውያን ውሳነታት ምሃብ ምቊራጻን ዝፍለጥ እዩ።

ብዘይካዚ ኮታ ስደተኛታት ክውሰኽን ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ጒጅለታት ዕቚባ ዝረኽቡሉ ኲነታት ክመቻቻእን እቲ ትካል ወሲኹ ተማሕጺኑ። “መንግስቲ ሽወደን ሕቶ ዕቚባ ተግባራዊ ንክኸውንን ኣብ ሽወደንን ናይ ወጻኢ ዶባት ኣውሮጳዊ ሕብረት እተላይ ኣፍጋኒስታን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ንኽትግበሩ ሓላፍነት ክወስድ ይግባእ” ክብል እቲ ትካል ኣብ መግለጺኡ ኣስፊሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com