Saturday , May 18 2024
Foto: Håkon Mosvold Larsen / NTB

ሆላንድ፥ KLM ናብ ዩክሬይን ዝገብሮ በረራታት ደው ኣቢሉ።

መንገዲ ኣየር KLM ናብ ሃገረ ዩክሬይን ዝገብሮ በረራታት ደው ከም ዘበለ ን መርበብ ሓበሬታ እቲ ትካል ብምጥቃስ NOS ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኔዘርላንድስ ጸብጺቡ። ብመሰረት እቲ ማዕከን ዜና እዚ ምቊራጽ በረራ ዝሓለፈ ቐዳም ዝነበረ ፕሮግራም ብምስራዝ እዩ ተጀሚሩ። እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ መዓልቲ ክልተ ሳዕ ናብ ዩክሬይን በረራታት የአንድግ ምንባሩ ኖርዌይ ቱደይ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ወሲኹ ገሊጹ። ብምኽንያት ኣብ ዩክሬይን ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኔዘርላንድስ ኲሎም ዜጋታታ ካብታ ሃገር ክወጹ ዝሓለፈ ዓርቢ ጻውዒት ምግባራ ዝፍለጥ እዩ። ብዘይካዚ ሰብመዚ ኔዘርላንድስ ኣብታ ኣብ ምዕራብ ዩክሬይን ዶብ ፖላንድ እትርከብ ከተማ ቪዬቭ ሓደ ናይ ቅልውላው ማእከል ብምቛም ዜጋታት ኔዘርላንድስ ዘድሊ ሓበሬታን ናይ ህጹጽ እዋን ፓስፖርትን ክረኽቡ ይገብሩ ምህላዎም እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com